ኮምሺን ትልምን ኣጀንዳ 2037 ትግራይ ኣብ 2016 በጀት ዓመት ዝተፈላለዩ ንብረታት ብምድብ ማለት / lot/ መቂሉ ምድብ ሐደ ዝተፋላለዩ ኤሌክትሮኒክስ : ምድብ ክልተ ሞተርሳይክል : ምድብ ሰለስተ መጋረጃ ጨርቂ ብብርኪ ክልል ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ኮምሺን ትልምን ኣጀንዳ 2037 ትግራይ

1 በቲ ዘርፊ ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ዋንኡን ቅዱሕን ከቅርብ ዝክእል

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ማለት ቲን ሰርተፊኬት ዋንኡን ቅዱሕን ከቅርብ ዝክእል

3 ንተወሳኪ እሴት ታክስ ማለት ቫት ዝተመዝገበ ኮይኑ ቫት ምዝገባ ሰርተፊኬትን ናይ ሕዳር 2016 ዓም ቫት ድክልሬሽን ዋንኡን ቅድሑን ከቅርብ ዝክእል

4 በቲ ዘርፊ ናይ መቅረባይነት ዝተመዝገበ ምካኑን ናይዚ ዘበን ዝተሐደሰ ምስክር ወረቀት ዋነኡን ቅድሑን ከቅርብ ዝክእል

5 ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ምካኑ ምስተፈለጠ ኣብ ዉሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር አለዎ

6 ዝሰዓራይ ዝተዓወተሉ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲታት ንምድብ ሐደ ንምድብ ክልተን ኣብ ዉሽጠ 5 መዓልቲታት ንምድብ ሰለስት ድማ ኣብ ዉሽጢ 3 መዓለቲታት ኮይኑ ቶም ንበረታት ብናይ ባዕሎም መጎዓዝያ ናብ ቢሮና ስቶር ክፍሊ በቲ ዝተሐተተ ፅሬትን መጠንን ከቅርብ ዝክእል

7 ናይ መወዳደሪ ደኩመኔንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ማህተምን ፊርማን ዘለዎ ክከዉን ይግባእ

8 ተጫረቲ ንዝትዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታን ሰነድ ጨረታን ንኩሎም ምድብ ንሕድሕዶም ዘይምለስ 50 ቅርሺ እናከፈለ ካብ ቢሮ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ሳልሳይ ደብሪ ካብ ዕለት 22 ታሐሰስ 2016 ዓም ክሳብ 3 ጥሪ 2016 ዓም ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ብኣካል ብምቅራብ ሰነድ ጨረታ ገዚኡ ክወዳደር ይክእል

9 ተጫረቲ ናይ ጨረታ መከበሪ ዉሕስና ንሕድሕድ ጨረታ ንምድብ ሐደ 5000 ቅርሺ ንምድብ ክልተ 3000 ሽሕ ንምድብ ሰለስተ ድማ 3000 ቅርሺ ብሽም ኮሜሽን ትልምን አጀንዳ 2037 ትግራይ ብስፒኦ ወይ ብስርቲፋይድ ቼክ ናብ ዝተዳለወ ናይ ቢሮና ጨረታ ሳንዱቅ ወይ ድማ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ ከቅርብ ዝክእል

10 እቲ ጨረታ ዕለት 3 ጥሪ 2016 ዓም ልክዕ ሰዓት 3:30 ረፋድ ተዓፀዩ በቲ ዕለት ንሱ ሰዓት 4:00 ኣብ ኮሜሽን ትልምን ኣጀንዳ 2037 ትግራይ ኣብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳር ቢሮ ኣብ ዓዲሓቂ ዕዳጋ ዝርከብ ባንኪ ንግዲ ኢትዩጰያ ሳልሳይ ደብሪ ምሕታት ይከኣል

11 ሳልሳይ ደብሪ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይክፈት

12 ቢሮ ነቲ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ በመሉእ ይኵን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

13 እቲ ጨረታ ምስተከፈተ ቢሮ ናይቲ ዝግዛእ መጠን ክሳብ 20 ሚእታዊ ክቅንስ ወይ ክዉስክ ይክእል እዩ

14 ሰዓራት እቲ ዘቅረቦ ብበዓለ ሞያ ተፈቲሹ ትክክለኛነቱ ምስተረጋገፀ ጥራይ አታዊ ይከዉን

ንዝበለፀ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0342404272

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo