ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ኣክሱም ን2016 ዓም ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ግልጋሎት ዝዉዕል መሳርሒ ፅሕፈት: ኤሌክትሮኒክስ : ኮንስትራክሽን ወይ እዉን ህንፃ ሓፂን መፂን : ናዉቲ ኦዉቶ ሞቲቭ ወይ እዉን ናዉቲ ተሽከርከርቲ ኢሉዉን ኣቅሑት መለዋወጢ መኪና ካብ ሕጋዊያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ኣክሱም

1 በቲ ዘፈር ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ መለለይ ቁፅሪ ከፋሊ ግብሪ ዝተሐደሰ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ተመዝጋቢ ተወሳኪ አሴት ታክስ ምኮኑ ዝገልፅ ወረቀት ምስክር ኩሎም ሰነዳ እዉን ብቅዳሕ ክተቅርቡ እትክእሉ ናይ ወርሒ ሕዳር ናይ 2016 ዓም ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ሒሳብ ዘፍለጥክምሉ መረዳአታ እዉንክተቅርቡ እትክእሉ

2 እዚ ጨረታ ብድምፂ ወያነ ካብ ዝተጋወሐ ዕለት ጀሚሩ ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ኣከሱም ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ክፍሊ ቁፅሪ 5 ካብ 22 ታሐሳስ 2016 ዓም ክሳብ 10 ጥሪ 2016 ዓም ሰዓት 3:00 ንጉሆ ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ ሰዓት ምዉሳድ ይከኣል

3 ጨረታ ኣብ አየር ዝፀንሐሉ ግዜ 15 መዓልቲ ይከዉን

4 ንብሰወከፍ ዘፈረ ዝተመደበለኩም መከበሪ ጨረታ ቢድ ቦንድ 5000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ እዉን ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ክትሕዙ አለዎም

5 ተወዳደርቲ ሰነድ ጨረትኦም ብዝንበብ ፅሑፍ ተፃሒፉ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉን ናይ ትካልኩም ስምን ፊርማን ኢሉእዉን ማህተም ክዓርፈሉ ይግባእ

6 ተወዳደርቲ ጨረታ ድሕሪ ምዕፃዉ ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ቅሬታ ኣቅሪብኩም ድሕሪ ምትእንጋድ ሰዓርቲ ኮይንኩም እተረከብኩም ኣብ ዉሽጢ 3 ናይ ስራሕ መዓልታት 10 ሚእታዊ ካብ ጠቅላላ ዝሰዓርክምዎ ትሕጋ ወይ እዉን መከበሪ ዉዕሊ ብምትሓዝ ዉዕሊ ካብ ዝአሰርክምሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲታት ኣታዊ ትገብሩ ምካንኩም ክትፈለጡ አለኩም

7 ዝተኣዘዘ ንብረት ፅሬቱን ብቅዓቱን ዝሐለወ ኮይኑ ናብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ኣክሱም ብናይ ባዕልኩም መጎዓዚ ብፅፈት ቆፂሩ ከረክብ ምካኑ እዉን ተጫራታይ ክፈልጥ አለዎ

8 ብትወዳደርቲ ዝምላእ ሰነድ ጨረታ ብናይ ትካል ዘዳለዎ ቅጥዒመሰረት ኮይኑ ብፖስታ ተዓሺጉ ማሀተም ዓሪፍዎ ካብ 22 ታሕሳስ 2016 ዓም ክሳብ 10 ጥሪ 2016 ዓም ኣብ ዘሎ ግዜ ናብ ሳንዱቅ ጨረታ ምእታዉ ትክእሉ

9 ሳንዱቅ ጨረታ 10 ጥሪ 2016 ዓም ሰዓት 3:30 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ኣክሱም ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ክፍሊ ቁፅሪ 5 ተጫረቲ ባዕሎም ወይ እዉን ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ዝክፈት ይከዉን

10 እቲ ትካል ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንዝበለፀ ሐበሬታ ድማ ብቁፅሪ ስልኪ ሞባይል 0914699503 ወይ 0975479797 0914494430 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo