ህዝቢ ኣዕብን ከባቢኣን ከቢድ ዓዐቦ ዕባ ገጢሙዎ ኣብ እዋን ቀውዒ ቑፅሩ ዘይነዓቕ ሞት ስብን እንስሳን ኣስዒቡ ስለዘሎ ነቲ ፀገም ንምፍታሕ ኮሚቴ ገባሪ ሰናይ ምድሓን ኣዕብን ከባቢኣን ዝብል ሕጋዊ ሰብነት ዘለዎ ትካል ተጣይሹ ሓገዝ ኣተኣኻኺቡ ንመግቢ ዘድሊ ንምግቢነት ዝውዕል ዘገልግል ፃዕዳ ምሸላ (ዒልቦ በቆሎ) በዝሒ 2,000 (ክልተ ሸሕ ኩንታል ዝኣክል ብጭረታ መልክዕ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ኮሚቴ ገባሪ-ሰናይ ምድሓን ኣፅቢን ከባቢኣን

ስለዚ ዝስዕቡ ረቑሓታት እተማልኡ ብኣካል ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣቢሎም ናብ መቐለ ከተማ ባንኪ ሰሜን ሪጅን ሰሜን ኣብ መበል 4ይ ፉቕ ኣብ ዝግነ ቢሮ ቑፅሪ 4 መፂኹም ጭረታ ክትወዳደሩ ትኽእሉ፡፡ ንተወሳኺ ናብ ስልኪ ቑፅሪ 0914 708154 ምድዋል ትኽእሉ ኢኹም፡፡

1) ረቑሓታት ተጫራትቲ ብዝምልከት፡

1.1) ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘቕርብ፡፡

1.2) ዝኾነ ተጫራቲ ናይ ጨረታ ሰነዱ ዓሺጉ ዘቕርብን ኣብቲ ዕለት ሳምፕል ዘቕርብን፡፡

1.3) ብሽም ኮሚቴ ገባሪ-ሰናይ ምድሓን ኣፅቢን ከባቢኣን ናይ ሓደ ሚኢቲ ሸሕ (100,000) ሲፒኦ ኣስሪሑ ዘቕርብ ወይ ድማ ብጥረ-ገንዘብ ዘትሕዝ፣ ከምኡ'ውን ብውዕሊ መስረት ዘቕርብ፡፡

1.4) ኣብቲ መኻዚኖኡ ኣብተን እነቕርበን ናይ ባዕልና መኻይን ብናይ ባዕሉ ፀዓንቲ ወዛደር ዝፅዕን፡፡

1.5) ዘሸነፈ ተጫራቲ ብፅባሒትኡ ወይ ድማ ካብ ዕለት 23/04/2016 ክሳብ 24/04/2016 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዜ ብህፁዕ ዘቕርብ፡፡

1.6) እቲ ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሐሉ ግዜ ክሳብ ታሕሳስ 22/2016 ዓ/ም 8:30 ሰዓት ይኸውን፡፡

1.7) እቲ ጨረታ ኣብ ላዕሊ ኣብ ዝተገለፀ ቦታ ታሕሳስ 22/2016 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ተዓፅዩ ልክዕ ሰዓት 9:00 ተሤራቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት፡፡

1.8) በዚ ታሕቲ ዘሎ ሰንጠረዥ ቅጥዒ መሰረት ብናይባዕሉ ሰነድ መቕረቢ ዘቕርብ፡፡

1.9) ትካልና ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኺቡ ነዚ ጨረታ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

2. ናይቲ ፃዕዳ ምሸላ በቆሎ ዓይነት ብዝምልከት

2.1. ፅሬቱ ዝሓለወ ንምግቢነት ዝውዕል ዘገልግል ፃዕዳ ምሸላ (ዒልቦ በቆሎ) ብሳምፕል መሰረት ከቕርብ ዝኽእል፡፡

2.2. እቲ ዝቐርብ ምሽላ ዒልቦ ቦቆሎ ብተመጣጣኒ ዋጋ ዘቕርብ፡፡

3. ብተረትቲ ዝምላእ ቕጥዒ ብዝምልከት ነቶም ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘሩ ረቑሓታት ተማልኡ ተረትቲ በዚ ዝስዕብ ሰንጠረዥ መሰረት ኣብ ናይ ባዕሎም መቕረቢ ቕጥዒ ሰንጠረዥ ክተቕርቡ ንላቦ፡፡

ናይቲ ዝቐርብ ምሽላ/ዒልቦ/በቆሎመለክዒበዝሒንፅል ዋጋጠቕላላ ዋጋመብርሂ
1ንምግቢነት ዘገልግል ፃዕዳ ምሸላ (ዒልቦ በቆሎ)ኩንታል2,000

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo