ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይን ፍሳስን ከተማ ፍረወይኒ ንግልጋሎት ዝርግሐ ማይ ዘገልግሉ ትቦታትን መገጣጠሚኦምን ከምኡ እውን ናይፅሕፈት መሳርሕታትን ኤሌክትሮኒክስ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ዕድጊት ክፍፅም ይድሊ።

ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይ ከተማ ፍረወይኒ

 ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግብኦም ረቋሕታት

1. ቲን ካርድ፣ ናይቲ ዝወዳደርሉ ንግዲ ዘርፍ 2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድን መቕረባይነት ኮፒ ከቕርብ ዝኽእል።

2. ቫት ተመዝጋባይ ዝኾነን ቫት ተመዝጋባይነት ሰርትፌኬት ከቕርብ ዝክእልን ናይቲ ዘርፊ ናይ ወርሒ 2016ዓ/ም ዲክሊር ዝገበረሉ መረዳእታ ከቕርብ ዝኽእል።

3. ሰነድ መግዝኢ ጨረታ ዘይምለሰ 100 ብር (ሚኢቲ ብር) ከፊሎም ካብ ዕለት 15/04/2016ዓ/ም ክሳብ 03/05/2016 ዓ/ም ካብ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይ ከተማ ፍረ-ወይኒ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ንብረት ምም/ርን ብምውሳድ ዋጋ መሊኡ ብሽምዒ ዝተዓሸገ ፖስታ ናብ ጨረታ ሳንዱቕ ከእትዉ ዝኽእል።

4. ጨረታ መኽበሪ ብጥረ ገንዘብ ወይም ብስፒኦ/cpo/ ብር 10,000(ዓሰርተ ሽሕ ብር) ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ምስ ጨረታ ሰነድ ሓቢሩ ናብ ጨረታ ሳንዱቕ ከእትዉ/ክትሓዝ/ ዝኽእል።

5. ቤት ፅሕፈት ክሳብ 20% ናይቲ ዝተሰዓረ መጠን ናይ ምውሳኽን ምቕናስን /ምንካይን / መሰል ኣለዎ።

6. እቲ ጨረታ ኮነ ኢሉ ዘዛበዕ ወይ ከጭበርብር ዝሞኮረ ካብቲ ጨረታ ክውፅእ ተገይሩ ዘትሓዞ ጨረታ መኽበሪ ተወሪሱ በቲ ናይ ክልል ትግራይ ዕድጊት መምርሒ ዝደንገጎ መሰረት ብሕጊ ተሓታቲ ይኸውን።

7. ድሕሪ ጨረታ ምኽፋቱ ዝኮነ ይኹን መማሓየሺ ሓሳብ ኣብ ጨረታ ሰነድ ምግባር ብፍፁም ኣይፍቀድን።

8. ኣብቲ ከይዲ ጨረታ ቅሬታ እንተሃልዎ ጨረታ ውሳኔ ካብ ዝርከበሉ ዕለት ጅሚሩ ኣብ ወሽጢ 3 መዓልቲ ናይ ስራሕ መዓልትታት ቅሬትኡ ናብ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይ ከተማ ፍረወይኒ ብፅሑፍ ክቕርብ ይኽእል።

9. ሰዓራይ ናይ ዝስዓሮ ጠቕላላ ዋጋ 10% ውዕሊ መክበሪ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብሲፒኦ ብምትሓዝ ኣብ ዝተወሃቦ ናይ ስራሕ መዓልቲ 3' መዓልቲ ውዕሊ ብምእሳር ናይ ዝሰዓሮ ንብረት ናይ ትራንስፖረት፤ መፅዓነን መራገፍን ባዕሉ ሽፍኑ ናብ ቤት ፅሕፍት ግልጋሎት ቀረብ መሰተ ማይ ከተማ ፍረወይኒ ከቕርብ ዝኽእል።

10. ተጫራታይ ካብ ናይ ዕድጊት መምርሒ ወፃኢ ዝኾነ ናይ ግዜ ገደብ ሂቡ እንተተዋዳዲሩ ሳዓራይ ኣብ ዝኮነሉ በቲ ናይ ዕደጋ መምርሒ ዝተኣናገድ ምዃኑ ፈሊጡ ናይ ባዕሉ መምርሒ ከቕምጥ ከም ዘይብሉን እንተቕመጠ እውን ተቐባልነት የብሉን።

11. ናይ ጨረታ መኽበሪ ገንዘብ ዘትሓዙ ተጫረቲ ጨረታ ዝስዓረ ኣካል ውዕሊ ምስ ኣስረ ሽዑ ንሽዑ ይምለሰሎም

12. ናይ ተጫራታይ ሽም ፤ ፊርማ፤ኣድራሻን ማህተም ክህልዎን ስርዝ ድልዝን ዘይብሉ ዋጋ ክምልእ ዝኽእል

13. ሰዓራይ ዝስዓሮ ንብረት በቲ ዝድለ መግልፂ ኦርጅናል ምዃኑ ብበዓል ሞያ እናተረጋገፀ ኣታዊ ይገብር።

14. እዚ ጨረታ ዕለት 03/05/2016 ዓ/ም ድሕሪ ሰዓት 8:30 ተዓፅዩ ድሕሪ ሰዓት 9:00 ኣብ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይ ከተማ ፍረወይኒ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ዝኸፈት ኮይኑ ተጫራታይ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላቶም ተዘይተረኺቦም ግና ቤት ፅሕፈት ተጫራታይ ወይ ሕጋዊ ኣብ ዘየለዉሉ እውን ናይ ምኽፋት መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

15. ሰዓራይ ውዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ወሽጢ 15 ተኸታታሊ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዝስዓሮ ንብረት ጠቕላለ ከቕርብ ዝኽእል

16. ቤት ፅሕፈት ዝሓሽ ኣማራፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብመሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ። ንተወሳኺ ሓበሬታ ብሰልኪ ቁፅሪ 0344470092

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo