ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ንቢሮ ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ አየር ኮንድሽነር ጋዝ ምምላእ ናይ ፅሬትን ገዛን ኣቁሑት ናይ መኪና ስፔርን ፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ /ግልጋሎት ክረክብ ይደሊ። በዚ መሰረት ክትወዳደሩ እትደልዩ መቅረብቲ ትካላት

ኤጀንሲ መራከቢ ሓፋሽ ትግራይ


• ናይ 2015 /2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፈቃድን መቅረባይነትን ዘለኹም።

• ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ /TN/ መረዳእታ ከቅርብ ዝኸእል።

• ተጫረቲ በቲ ዝቐረበ ዝርዝር /Specification/ መሊኡ ከቅርብ አለዎ።

• መቕረብቲ ካብ ዕለት 15/04/2016ዓ/ም ክሳደብ ዕለት 17/04/2016ዓ/ም ሰዓት 11:30 ሰነድ ፕሮፎርማ ኣብ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ትክእሉ።

• ፕሮፎርማ ዝኸፈተሉ ዕለት 18/04/2016ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተወዳደርቲ ወይ ተወከልቶም አብ ዘለዉሉ ይኸፈት እዚ ፕሮፎርማ ተወዳደርቲ ትካላት ወይ ተወከልቶም እንተዘይ ተረኺቦም ንምኸፋት ዝዓግቶ የለን። ተጫረቲ እቲ ዘቅርብዎ ዋጋ አብቲ ኤጀንስና አብ ዘዳለዎ ሰነድ ፕሮፎርማ ክመልኡ አለዎም ።

• አብ መምልኢ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ምግባር ኣይፍቀድን

• ተሳተፍቲ ኣብ ሰነድ ፕሮፎርማ ማህተም ናይ ድርጅቶም ክዓርፎ አለዎ

• ኤጀንስና ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኺቡ እዚ ፕሮፎርማ ብሙሉእ ወይ ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወእዩ

ኣድራሻና፥ ኤጀንሲ መራከቢ ሓፋሽ ትግራይ ህንፃ አብ ቢሮ ቁፅሪ 106 ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ምም/ንብረትን ።

ተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03 42 40 63 80 አብ ስራሕ ሰዓት ምድዋል ይካኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo