ማሕበር ኣክስዮን ሆት ስፕሪንግ ሓፈሻዊ ንግዲ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ኣብ ጥቕሚ ዝወዓሉ ኣቑሑት ንጨረታ ኣቕሪቡ ኣሎ፡፡

ሆት ስፕሪንግ አጠቃላይ የንግድ አማ

ስለ ዝኾነ ድማ ንምጭራት ትደልዩ ተጫረቲ ካብ ናይ ኣቑሐ ዓይነት ስዒቡ ዘሎ ዝርዝር ረቛሒታት እተማልኡ ተጫረትቲ ክትጫረቱ ንዕድም፡

ሀ. ዝርዝር ዓይነት ኣቑሑ motion

1. ጨረት (ካሻ) በዝሒ ልዕሊ 120,000 መበገሲ ዋጋ 26 ብር

2. ካርቶን በዝሒ ልዕሊ 4,000

3. ዝተፈላለዩ ዓይነት ጀሪካናት (20፣ 25፣ 30) ሊትሮ ዝሕዙ

ለ. ተጫረትቲ ከማልእዎ ዝግባእ ረቛሒታት

1. ናይ 2015 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ፡፡

2. ናይ ንግዲ ፍቓድ መፍለይ ቑፅሪ (Tin Number) ከቕርብ ዝኽእል፡፡

3. ንጨረት 50,000 (ሓምሳ ሹሕ) ብር ናይ ጨረታ መኽበሪ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝኽእል፡፡

4. ንካርቶን 5,000 (ሓሙሽተ ሹሕ) ብር ናይ ጨረታ መኽበሪ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝኽእል፡፡

5. ንጀሪካን 5,000 (ሓሙሽተ ሹሕ) ብር ናይ ጨረታ መኽበሪ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝኽእል፡፡

6. ተጫራታይ ክገዝኦ ዝደሊ ዓይነት ኣቕሓ ዋጋ ምስ ቫት ወይ ብዘይ ቫት ኢሉ ብግልፂ ክፅሕፍ ኣለዎ፡፡ መብርሂ እንተዘይተቐሚጡ ግን እቲ ዝቐረበ ዋጋ ብዘይ ቫት ከምዝኾነ ይውሰድ፡፡

7. ናይ ሓደ ዓይነት ኣቕሓ ነፀላ ዋጋ ብዘይ ስርዝ ድልዝ ክፀሓፍ ኣለዎ፡፡

8. ናይ ጨረታ ሰዓራይ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ጨረታ ሰዓራይ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ (3) መዓልቲ ውዕሊ ክኣስር ኣለዎ፡

9. ናይ ጨረታ ሰዓራይ ዝሰዓረሉ ዓይነት ኣቕሓ ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ኣብ 10 (ዓሰርተ) መዓልቲ ውሽጢ ከልዕል ኣለዎ፡፡ ኣብ ዝተቐመጠሉ እዋን ዘየልዐለ ዝተተሓዘ ናይ ጨረታ መኽበሪ ኣቐሓ ንኻልእ ተጫራታይ ይወሃብ፡፡

10.እቲ ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሓሉ ግዜ ካብ ዕለት 16/4/2016 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 25/4/2016 ዓ/ም 10 (ዓሰርተ) ናይ ተኸታታሊ መዓልቲ ይኸውን፡፡

11.እቲ ጨረታ ዝኸፈተሉ እዋን ዕለት ኣብ ራያ ቢራ ፋብሪካ ይኽፈት፡፤ 25/4/2016 ዓ/ም ሓሙስ ሰዓት 5፡00 ተዓፅዩ ሰዓት 5፡30

12. እቲ ኣክስዮን ማሕበር ነቲ ጨረታ ብኽፋል ወይ በሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ'ዩ፡፡

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo