አብ ጊዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ን2016 በጀት ዓመት ዘድልዮ ናይ ሓለዋ (ዋርድያ) ግልጋሎት ን2ይ ግዜዝወፀ ግልፂ ጨረታ ንምሕላው(ንምስራሕ)ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ቢሮና ስቶራትን ዋና ቢሮን ፤ ብውልቀን ብማሕበርን ንዝተደራጀዩ ኣወዳዲሩ ንምሕላው(ንምስራሕ) ከምኡ ውን ንመጀርያ ግዜ ዝወፀ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ኣቁሑት ንምዕዳግ ስለ ዝደለየ በዚ ዝስዕብ መለክዕታት እተማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ ንክወዳደሩ ይዕድም ።

Tigray Regional State Interim Administration Bureau of water And Energy

ስለዚ እዚ ዝስዕብ ሮቋሒታት እተማልኡ ተጫረቲ ንክትወዳደሩ ይዕድም

1.ናይ 2016 ዓ/ም ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፤ መቅረባይነት፤ ቲን/Tin/ቑፅሪ ናይ ቫት ምዝገባ ሰርትፊኬትን ናይ ወርሒ መስከረም ቫት ዲክሌሬሽን ዘቅርቡ ::

2.አብ ዝቐረበ ዶኩመንት ስርዝ ደልዝ ወይ ዘይንበብን ማህተም ዘይዓረፎ መረዳእታን ተቐባልነት የብሉን።

3. ዝተዳለወ ስፔስፊኬሽን ካብ መደበኛ ጉጅለ ዕደጋ ካብ ጨረታ ዝወፀሉ ዕለት11/04/2016 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 22/04/2016 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዜ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ ብር 50 ብምክፋል ምዉሳድ ይክእል፣

4. ናይ ጨረታ መኽበሪ ብCPO ንሓለዋ (ዋርድያ) 10,000.00 ብር (ዓሰርተ ሽሕ ብር) ንፅሕፈት መሳርሒ 3,000.00ብር (ሰለስተ ሽሕ ብር) ከትሕዝ ዝኽእል፣

5. እቲ ጨረታ ዕለት 22/04/2016 ዓ/ም ሰዓት 3፡00 ናይ ቅድሚ ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት 22/04/2016 ዓ/ም ሰዓት 3፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላት አብ ዘለዉዎ ይኽፈት፣

6.ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ብክልተ ፖስታ ሓደ ኦርጅናል ሓደ ኮፒ ነኒ በይኑ ዝተዓሸገ ከቕርብ ዝኽእል፣

7.ቢሮና ኣድላይ ኮይኑ እንተረኺብዎ ነዚ ጨረታ ብኽፋል ወይ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልው እዩ።

8.ውዕሊ መክበሪ 10% ካብ ጠቅላላ ዋጋ ዝሰዓሮ ክትሕዝ ዝክእል።

9. አድራሻና አብ ጊዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ቢሮ ማይን ኢነርጅን መደበኛ ጉ/ ዕደጋ ቢሮ ቁዕሪ 13 እዩ::

10.ናይ ጨረታ መኽፈቲን መዕፀዊን ዕለት አብ በዓል እንተዊዒሉ ኣብ ዝቕፅል ዘሎ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዝኸፈት ይኸዉን።

11. ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቑፅሪ 0984076797/0914032454 ምድዋል ይከአል ::

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo