ቢሮ ቴክኒክን ሙያን ትምህርትን ስልጠናን ስራሕ ዕድል ፈጠራን | ክልል ትግራይ ናይ መኪና ጎማን መመላኪኢን ብፕሮፎርማ አወዳድርካ ክንገዝእ ንደሊ ።

ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ክልል ትግራይ

 ስለዚ ኣብዚ ፕሮፎርማ ጨረታ ክትወዳደሩ እትኽእሉ ዝምልከተኩም ሕጋውያን ነጋዶ በቲ ኣብ ታሕቲ ዝተገለፀ ረቛሒ መሰረት ንክትወዳደሩ ብክብሪ ንዕድም።

1. ናይ 2015/6 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም

2. ናይ ግብሪ ክፋላይነት ቲን ከምኡ ውን ዝተሓደሰ መቅረባይነት ናይ 2016 ዓ/ም ከቅርብ ዝክእል ይኸውን

3. ናይዚ ፕሮፎርማ ጨረታ ሰዓርቲ እንተኾይንኩም ካብ ዝተገለፀልኩም እዋን ጀሚርኩም ኣብ ውሽጢ ዝተወሃበኩም መዓልቲ ኣብ ስራሕ ክትቅርቡን :

4. ነጋዶ ናይ መወዳደሪ ደኩሜንትኹም ናይቲ ዋጋ መምልኢ ቅጥዒን ናይ ትካልኩም ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ኮይኑ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ዝተዓሸገ ፖስታ ንቢሮ ቴክኒክን ሙያን ትምህርትን ስልጠናን ስራሕ ዕድል ፈጠራን ክልል ትግራይ ዳይርክትሮት ዕደጋ፣ፋይናንስን ንብረት ምም/ርን ቢሮ ቁፅሪ 333 ካብ 08/04/2016 ዓ/ም ክሳብ 10/04/2016 ዓ/ም ክሳብ ሰዓት 11፡30 ኣብ ዘሎ ግዜ ዋጋ መሊኢኩም ክተቕርቡ እትኸእሉን ብድሕሪኡ ዝመፅኣ ፖስታ ዘይንቅበል ምዃና ንሕብር ።

5. ፕሮፎርማ ዝክፈተሉ ዕለት ቀፂሉ ይክፈት ናይ ስራሕ መዓልቲ 11/04/2016 ዓ/ም ሰዓት 3፣30 ናይ ንጉሆ ይከውን

6. ናይቲ ዝሰዓርኩምዎ ንብረትዋጋ ልዕሊ 20000.00/ዒስራ ሽሕ ብር እንተኾይኑ ቫት ዝተመዝገብኩም ቫት 7.5 % ኣብቲ ቢሮ ተቕሪ ዝተርፍ ምዃኑ ክፈልጥ ይግባእ ።

7. ተወዳደርቲ ዘቕረብዎ መወዳደሪ ደኩሜንት ከም ውዕሊ ኮይኑ ከምዘገልግልን ምዃኖን ክፈልጥዎ ይግባእ ።

8. ቢሮና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ኮነ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ ።

9. ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 034-4403447 ደዊሎም ክሓቱ ይኸእሉ ።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo