ቤት ፅሕፈት ማይ ግልጋሎት ከተማ መኾኒ ካብ 2011 ዓ/ም ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ 2014 ዓ/ም ዘሎ ሒሳብ ምንቅስቃስ ብደገ ኦድተር ኦዲት ከግብር ስለ ዝደለየ ኣብ ትሕቲ ኣመራርሓን ክትትልን ቤት ፅሕፈት ዋና ኦድተር ክልል ትግራይ እትርከቡ ዝተፈቐደልኩም ውልቀ ኦድተራትን ኦዲት ትካላትን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳድሩ ኦዲት ክግበር ስለ ዝደለለየ ሕጋዊ ፍቓድ ዘለኩም ንክሳተፍ ይዕድም፣፣

ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይ ከተማ መኾኒ

ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግባእ ረቋሒ

1. ንቤት ዕዮና (ትካልና ) ኦዲት ንምክያድ ዘኽእል ብርኪ ሓደ ወይ ክልተ ወረቐት ምስክር መረጋገፂ ብቅዓትን ሞያን ዘለዎ።

2. ናይ 2016 ዓ/ም ወረቐት ምስክር መረጋገፂ ብቅዓት ሞያን ዘሓደሰን ንግዲ ምዝገባ ፤ተወሳኺ እሴት ታክስ ( ተመዝጋቢ ንዝኾነ ) መለለይ ግብሪ ከፋላይነት /TIN /ንካልኦት ንጨረታ ዝጠቕሙ መረዳእታ ምስ ዋና ዝተገናዘበ ፎቶ ኮፒ ከቅርብ ዝኽእል ፣

3. ኦዲት ዝግበር ሒሳብ ኣብ መኾኒ ከተማ/ትካል ምዃኑ ፈሊጡ ዝሳተፍ፣

4. ሰነድ ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ማይ ግልጋሎት ከተማ መኾኒ ቢሮ ቑፅሪ 03 ካብ ዕለት 08/4/2016 ዓ/ም ክሳብ 15/04/2016 ዓ/ም ኩሉ ግዜ ኣብ ስራሕ ስዓት ዘይምለስ ብር 30.00/ሳላሳ/ ቅርሺ ከፍሎም ምውሳድ ይክእሉ

5. ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ፋይናንሻልን ቴክኒካልን መወዳደሪ ቅጥዕታት ብዝግባእ ምምላእ ደጋፊ መረዳእታኦም ምስ ዋና /ኦርጅናል ብምግንዛብ ፋይናንኛል /ዋጋ/ መወዳደሪ ዋናን ኮፒን ነንበይኑ ኣብ ክልተ ፖስታ ቴክኒካል ድማ ዋናን ኮፒን ነንበይኑ ኣብ ክልተ ፖስታ ብጠቅላላ ኣብ 4ተ ፖስታ ብዝግባእ ተዓሽጉ ኣብ ሕድሕድ ፖስታ ድማ ናይ ተጫረቲ ስም ፣ ኣድራሻ፣ፊርማ ኦርጅናልን/ ዋና/ን ኮፒን ተባሂሉ ተፃሒፍሉን ማህተምን ፊርማን ዓሪፍዎን ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ማይ ግልጋሎት ከተማ መኾኒ ቢሮ ቐፅራ 03 ዝተዳለወ ሓፅን ( ሳንዱቅ) ክሳብ ዕለት 16/4/2016ዓ/ም ሰዓት 8:00 ከእትው ኣለዎ።

6. እቲ ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ማይ ግልጋሎት ከተማ መኾኒ ቢሮ ቑፅሪ 01 ዕለት 16/4/2016 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 8:30 ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት ኮይኑ ግና ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም እንተዘይረኺቦም ቤት ዕዮና ጨረታ ፖስታ ምኽፋት መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

7. ቤት ዕዮና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።


ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቑፅሪ 0346640002 ወይ ማባይል ቁፅሪ 0914166860 ምሕታት ይካኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo