ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣማ ንዝተፈላለዩ ስራሕቲ Enterprise Resource Planning (ERP) Systern ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደለየ ክትጫረቱ እትደልዩ ሲዒቡ ተዘርዚሩ ዘሎ ሮቑሓ እተማልኡ ትካላት ንክትወዳደሩ ይዕድም፡፡

ደደቢት ትካል ልቓሕነ ምዕቓሪን/ደደቢት ትፍልም/

1. ተጫረቲ ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ IT ከቕርቡ ዝኸእሉን ከምኡ እውን ናይ 2015 ዓ.ም ሕጋዊ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም፣ ቫት ተመዝገብቲ ምዃንኩም መረዳእታ ክተቕርቡ አትኽእሉ፣

2. ተጫረቲ ካብ ዘቕርብዎ ጠቕላላ ዋጋ 2% ናይ ጨረታ መኸበሪ ሕጋውነቱ ዝተረጋገፀ CPO ከትሕዙ ዝኽእሉ። ካብ 2% ዝነኣሰ ዘትሐ ተራታይ ካብ ጨረታ ይስረዝ፣

3. ዝርዝር ዝሓዘ ደኩመንት ካብ ዕለት 05/04/2016 ዓ.ም ጀሚሩ ካብ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣማ ማይክሮ ፋይናንስ ጨንፈር መቐለ ቁ.2 ብብር 150 /ሓደ ሚኢቲን ሓምሳን/ ብር ጥራሕ ብምኽፋል ኣብ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ትኽእሉ፣

4. ናይ ጨረታ ደኩመንት ቴክኒካል ንበይኑ ብፖስታ ሽምዒ ዝተዓሸገ ከምኡ ድማ ፋይናንሻል ንበይኑ ብፖስታ /ሽምዒ ዝተዓሸገ ክልቲኡ ብዓብይ ፖስታ ሽምዒ ብምዕሻግ ናብ ጨረታ ሳንዱቕ ኣታዊ ዝግበረሉ ካብ ዕለት 05/04/2016 ዓ.ም እስካብ ዕለት 19/4/2016 ዓ.ም ሰዓት 3፡00 ናይ ንጉሆ ዘሎ ግዜ ይኸውን፡

5. ጨረታ ዕለት 19/4/2016 ዓ.ም ሰዓት 3፡00 ናይ ንጉሆ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ተዓሸጉ በቲ ዕለት ሰዓት 3፡00 ናይ ንጉሆ ተጫረቲ ወይ ወኪሎም ኣብ ዝተረኸብሉ ብኣባላት ጨረታ ኮምቲ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣማ ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣማ ይኸፈት። ተጫረቲ ወይ ወኪላት ብኣካል እንተዘይተረኸቡ እውን እቲ ጨረታ ዝክፈት ይኸውን፡፡

6. ናይ ጨረታ ሰዓራይ ውፅኢት ምስተፈለጠ ካብ ጠቕላላ ዋጋ 10% ናይ ስራሕ ኣፈፃፅማ ውሕስና /Unconditional Performance Bond/ ከትሕዝ ዝኸእል፡

7. ናይ ጨረታ ሰዓራይ ውፅኢት ምስተገለፀ ኣብ ውሽጢ ተኸታተልቲ 5 መዓልትታት ናብ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣማ ክፍሊ ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን ዋና ቢሮ ቐሪቡ ውዕሊ ክኣስር ኣለዎ።

8. ተጫረቲ ትካል ካብ ዘቕረቦ ስፔስፊኬሽን ወፃኢ ከቕርቡ ኣይፍቀድን

9. ትካል ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡

10 ተወሳኺ ሓበሬታ እንተድልዩ ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣማ ሳልሳይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 307 ብኣካል ብምቕራብ ምርካብ ይካኣል እዩ።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo