ቤት መዘጋጃ ክፍለ ከተማ ዓይደር ብናይ 2016 በጀት ዓመት ስራሕቲ ሐምለዋይ ልምዓት አወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ

ቤት መዘጋጃ ክፍለ ከተማ ዓይደር

1 ብመሰረት እዚ በቲ ዘፈር ናይ ዘቡን ዝተሐደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል

2 ዝተሐደሰ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል

3 መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል

4 ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮኑን ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል

5 ሰዓራይ ሰዓራይ ምካኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 6 ናይ ስራሕ መዓልቲ ዉዕሊ ብምእሳር በቲ ዝወፀ ዝርዝር መዓቀኒ መሰረት ካብ ጠቅላላ ዋጋ ዉዕሊ 10 ሚእታዊ መከበሪ ዉዕሊ ኣትሒዙ ብዝአተዉ ዉዕሊ መሰረት ናብ ስራሕ ክኣትዉ ዝክእል

6 መወዳደሪ ሰነድ ሙሉእ ብሙሉእ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ኣብ ነበስ ወከፈ ሰነድ ጨረታ ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ማህተምን ፊርማን ዘለዎ ብሐደ ዋና ቅዳሕን ክልተ ቅዳሕን ናይ መወዳደሪ ዋጋ መሊኡ ከቅርብ ዝክእል

7 ተጫረቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መርሒ ጨረታ ሰነድ ጨረታ ንምዕዳግ ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት መዘጋጃ ክፍለ ከተማ ዓይደር ከይዲ ስራሕ ትልምን በጀትን ዕደጋ ንብረት ምምሕዳር ፋይናንስን ብጥረ ገንዘብ አታዊ ብምግባር ካብ  5 ታሕሳስ 2016 ዓም ክሳብ 15 ታሐሳስ 2016 ዓም ኣብ ናይ ስራሕ መዓልቲ ብኣካል ብምቅራብ ሰነድ ጨረታ ዓዲጉ ክወዳደር ዝክእል

8 ተጫራታይ ናይ ጨረታ ዉሕስና መከበሪ 6000 ቅርሺ ብሽም ቤት መዘጋጃ ክፍለ ከተማ ዓይደር ብስፒኦ ወይ ብሰርቲፋይድ ቼክ ወይ ብጥረ ገንዘብ ናብ ዝተዳለወ ናይቲ ቤት ፅሕፈት ሳንዱቅ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ ከቅርብ ዝክእል

9 እቲ ጨረታ 15 ታሐሳስ 2016 ዓም ልክዕ ሰዓት 9:30 ድሕሪ ሰዓት ተዓፀዩ በቲ ዕለት 10:00 ኣብ ቤት መዘጋጃ ክፍለ ከተማ ዓይደር ከይዲ ስራሕ ትልምን በጀትን ዕደጋ ንብረት ምምሕዳር ፋይናንስን ቁፅሪ 6 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

10 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ መስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

11 እቲ ጨረታ ምስተከፈተ እቲ ቤት ፅሕፈት ናይቲ ጨረታ አዋፃይነት ተረኣዩ ክሳብ 20 ሚእታዊ ክዉስክ ወይ ክቅንስ ይክእል እዩ

12 ብመሰረት ኣብ ኣዋጅ ቁፅሪ 255/2007 ዘሎን ነዚ መተግበሪ ዝወፀ ምምርሒን ይፍፀም

ኣድራሻ ታሕተወይ በሪ ሪፈራል ሆስፒታል ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓይደር ከይዲ ስራሕ ትልምን በጀትን ዕደጋ ንብረት ምምሕዳር ፋይናንስን ቢሮ ቁፅሪ 6 እዩ

ንዝበለፀ ሐበሬታ 0991060173

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo