ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን የጭላ ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ር ናይ ኮንስትራክሽን ኣቑሕት፤ኣቑሕት ኤሌክትሪከን መሳርሒ ፅሕፈትን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ/ይደሊ ።

ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን የጭላ

ስለዚ ተጫረትቲ

1/ ልዕሊ 100,000 ብር ኣብ ዝዋግኡ እትሳተፉ ተጫረቲ ክኾኑ ኣለዎም፡፡

2/ ተጫረትቲ ንተወሳኺ እሴት ታክስ /VAT/ዝተመዝገቡ ክኾኑ ኣለዎም ፤

3/ ወርሓዊ ሻት ዲክላሬሽን ክቅርቡ ኣለዎም።

4/ ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍላይ ቁፅሪ /TIN/ከቅርቡ ዘኽእሉ

5/ ናይ መቅረባይ ምስክር ወረቐት ከቅርቡ ዝኽእል በቲ ዘርፊ/ዓውዲ/ ን 2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዋ/ዎ

6/ ኣብ ከይዲ ጨረታ ከጭብርብር ዝሙኩር ካብ ጨረታ ወፃኢ ከም ዝኸውንን ። ኣብ ቀፃሊ ኣብ ዕደጋ መንግስቲ ከይሳተፉ ከም ዝግበርን፣ዘተሐዙዎ መኽበሪ ጨረታ ከም ዝውረስን ፈሊጦም ስርዓት ጨረታ ኣኽቢሮም ዝኣትው ፦20% ናይ ምዉሳኽን 20% ናይ ምቕናስን መሰል ቤት ፅሕፈት ሕልው እዩ

7/ ሰነድ ጨረታ እዚ ምልክታ ካብ ዝተቃለሐሉ/ዝተለጠፈሉ/ ዕለት 04/04/2016ዓ/ም ዘይምለስ 100.00/ሚኢቲ ቅርሺ/ ናይ ሰነድ ዋጋ ብምኽፋል ካብ ናይ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ከ/ስ/ዕ/ን/ምም/ር የጭላ ካብ ዝተቃለሐሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልቲ ሰነድ ጭረታ ክትወስዱ ከም እትክእሉ ድሕሪ ምዕፃው ጨርታ ሳንዱቅ ዝመፅእ ዝኮነ ይኹን ጭረታ ሰነድ ተቃባልነት ዘይቡሉ ምካኑ

8/ ሳንዱቕ ጨረታ ዕለት 19/04/2016 ዓ/ም ሰዓት 3፡30 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡00 ይኽፈት።

9/ ሰዓራይ ጨረታ ዘሸነፈ ምዃኑ ካብ ዝፈለጠሉ ኣብ ውሽጢ 7ተ መዓልቲ ውዕሊ ይኣስር።

10/ናይ ስራሕ/ፖሮፎርማንስ ቦንድ /10%/ ናይቱ ዝሳዓርዎ ድምር ዋጋ ምስ ኣትሓዙን ዝልቀቅ ይከውን እቲ ዘትሓዘዎ መኸበሪ ብር 3000 /ሰለስተ ሽሕ/ ክሳብ ውዕሊ ዝኣስሩ ዘገልገል ኮይኑውዕሊ ምስኣስሩ መኽበሪ ናይ ስራሕ/ፖሮፎርማንስ ቦንድ /10% ምስ ኣትሓዙ ዝልቀቕ ይከውን

11/ መኽበሪ ጨረታ ናይ መኽበሪ ውዕሊ ኣፈፃዕማ ስራሕ ብጥረ ገንዘብ ወይ CPO ምስ ኣታሓዙን ውዕሊ ምስ ኣሰሩን ይልቀቐሎም።

12/ ተጫረቲ ዝመልእዎ ዋጋ ማዕረ እንተኾይኑ እቲ ዝቕረበ ንብረት ማዕረ ተማቂሎም ዝወስዱ ምኻኖም

13/ ሰነድ ጨረታ ብክልተ ፖስታ /ኦርጅናልን ኮፒን /ኣብ ሓደ ዓብዩ ፖስታ ተዓሽጉ ዝቐርብ ኮይኑ እቲ ዝተመለአ ዋጋ ብናይቱ ድርጅት ላዕለዋይ ሓላፊ ተፈሪሙን ማህተም ዓሪፍዎን ምስ ምሉእ ኣድራሽኡን ይቐርብ።

14/ እቲ ጭረታ ሰነድ መረከቢ እዋን ዘብቀዐሉ ግዜ ዕለት 19/04/2016 ዓ/ም ስዓት 3፡30 ተዓፅዉ ኣብቲ ዕለት ንሱ 4፡00 ኣብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን የጭላ ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ርን ቢሮ ይኽፈት።

15/ ኣብዚ ጨረታ እዚ ኣድላይ ኮይኑ እንትርከብ ኮሌጅና ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልው እዩ።

16/ ተጫረቲ ኣብ ከይዲ ኣፈፃፅማ እቲ ጨረታ ቅሬታ እንትሃልይዎም ጥርዓኖም መጀመርያ ናብ ጨረታ ኮሚቴ ፤እንተዘይዓጊቦም ሰዓራይ ካብ ለጠፈሉ ዕለትጀሚሩ 3ተ መዓልቲ ቅድሚ ምሕላፉ ቅሬተኦም ናብ ላዕለዋይ ሓላፊ ከቅርቡ ይኽእሉ እዮም፡፡ ካሊእ ኣብ ኣዋጅ ቁፅሪ 255/2007 ብዘሎን ነዚ መተግበሪዝወፀ መምርሕ ብዝእዝዞ መሰረት ይፍፀም፡፡ ኣብዚ ዝሰፈረ ምስቲ ኣዋጅ መምርሕን ዝጋነፅ ቃል ከም መምርሒ ኮይኑ ኣየግልግልን።

17/ ሰዓራይ ጨረታ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያን ወፃኢን ንብረት ናብ ትካልና ከቕርብ ዝኽእል ንክትጫረቱ ብኽብሪ ንዕድም::

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo