ንሳልሳይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ግልፂ ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ንዝተፋለለየ ኣብያተ ፅሕፈታት ግልገሎት ዝዉዕላ ሞተር ሳይክል ብግልፂ ጨረታ አወዳዲርና ክንዕድግ ንደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ሽረ እንዳስላሰ

 ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ንዝተፋለለየ ኣብያተ ፅሕፈታት ግልገሎት ዝዉዕላ ሞተር ሳይክል ብግልፂ ጨረታ አወዳዲርና ክንዕድግ ደሊና ቅድም ክብል ብዕለት 23 መስከረም 2016 ዓም ብትልምን ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ንብረት ምምሕዳርን ቁፅሪ 845/2016 ወፂኡ ምንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ እቲ በጀት ናይ UIIDP ኮይኑ ብእዋኑ በጀት ስለዘይተልኣከልና እቲ ጨረታ ዉድቂ ዝተገበረ ምኮኑ ይፍለጥ ብተወሳኪ ናይ 2ይ ግዚ ብዕለት 19 ጥቅምቲ 2016 ዓም ብትልምን ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ንብረት ምምሕዳርንቁፅሪ 845/2016 ወፂኡ እቲ ጨረታ ዉድቂ ስለዝኮነና ሕዚ ብግለፂ ጨረታ አወዳዲርና ክንዕድግ ስለዝደለና ኣብዚ ክትወዳደሩ እትደልዩ እዚ ዝስዕብ ኣማሊእኩም በቢዘፈርኩም ክትወዳደሩ ንዕድም

  • 1 ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎን ናይ 2015 / 2016 ዓም ዝተሐደሰን ዋናቅ ቅዳሕን አታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
  • 2 ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ማለት እዉን ቲን ናምበር ዘለዎም ቅዳሕ አታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
  • 3 ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ መቅረባይነት ዘለዎ ቅዳሕ ገይሩ አታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
  • 4 ዝተዉሃቦ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ምስክር ወረቀት ከታሕዝ ዝክእል
  • 5 ናይ ወርሒ መስከረም 2016 ዓም ተወሳኪ እሴት ታክስ ዲክለር ዝገበረሉ ቅዳሕ አታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
  • 6 ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 4/4/2016 ዓም ክሳብ 8/4/2016 ዓም ብተካታታሊ መዓልቲታት ኣብ ዘሎ እዋን ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ንብረትን ምምሕዳር ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ኣብ ቀበሌ 03 ኣብ ዉሽጢ ኣዳራሽ ሃፈቶም ቀፅሪ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ብምምፃእ ዘይምለስ 200 እናድካፈልኩም ክሳብ 8 ታሕሳስ 2016 ዓም ሰዓት 11:00 ክትወስዱ ትክእሉ
  • 7 ጨረታ ዕለት 9 ታሐሳስ 2016 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓተ 4:30 ተጫረቲ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት
  • 8 እቲ ሰነድ ጨረታ  በቲ ኣምልክታ ዝተገለፀ መሰረት ኣማላኡ እንተተረኪቡ በዘይኣለዉሉ ምክፋት ዝዓገተ ነገረ የለን
  • 9 መከበሪ ጨረታ ናይ ሞተር ሳይክል 25000 ብጥረ ገንዘብ ወይ ብስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል
  • 10 ኣብዚ ጨረታ ሰዓራይ ምካኖም ምስተገለፀሎም በቲ መምርሒ መሰረት ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል
  • 11 ናይ ጨረታ ሰነድ ብንፁር ዝንበብ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይ ባዕሎም ክታም ማሀተምን ኣብ ሕድሕድ ገፅ ብምግባር ብፖስታ ዓሺጎም ከቅርቡ ይግባእ
  • 12 እቲ ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ብዘይበሉ ክምላእ አለዎ
  • 13 ቤት ፅሐፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo