ኤጀንሲ ምርግጋፅ ብቅዓት ሙያ ክልል ትግራይ ንኤጀንሲ ግልጋሎት ዝዉዕል ዝተፋለለዩ ናይ ፅሕፈት መሳርሒን ደቀቅቲን ኣናሽተይን መሳርሒ ሎት 1 ናይ ፅሬት ኣቅሑት ሎት 2 ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ኤጄንሲ ምርግጋፅ ሞያ ክልል ትግራይ

1 ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዝተሐደሰ ናይዚ ዘመን  ዓም ክተቅርቡ አለኩም

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ዝተመዝገብኩምዎ ቲን ሰርቴፊኬት ክተቅርቡ አለኩም

3 ቫት ዝተመዝገብኩምሉ ሰርተፊኬት ናይ ወረሒ ሕዳር 2016 ዓም ዲክሌር ዝገበርክምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ አለኩም

4 ናይ መቅረባይነት ሰርተፈኬት ዝተመዝገብክም ናይዚ ዘመን ዝተሐደሰን

5 ጨረታ ሰዓርቲ ሰዓራይ ምካንኩም ካብ ዝተረገለፀልኩም ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ዉዕሊ ብምእሳር ዝሰዓርክምዎ ንብረት ኣብ ዉሽጢ 15 ተከታታልቲ መዓለቲ ኣብ ዘይበልፅ ንበረት ብመጠንን ብፅሬትን ኣታዊ ክትገብሩን ናይ ዘሸነፍክምዎ ንብረት መፅዓንን መራገፍን ብናይ ባዕልኩም ወፃኢ ከም ዝኮነ ክትፈልጥዎ ይግባእ

6 መወዳደሪ ደኩሜንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ብክልተ ኢንቨሎፕ ኦርጅናልን ኮፒ ብምቅራብ ብግልፂ ዝረአ ክከዉን አለዎ ሽምን ኣድራሻን ዘለዎ ኣብ ሕድሕድ ገፅን ኢንቨሎፕ ናይቲ ትካል ማህተምን ፊርማን ክህልዎ አለዎ

7 ተጫረቲ ዘይምለስ ንፅሕፈት መሳርሒ 100 ብር ንፅሬት ኣቅሑት ድማ 50 ብር እናከፈልኩም ካብ ኤጀንሲ ምርግጋፅ ብቅዓት ሙያ ክልል ትግራይ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋ/ንብ/ምም/ር ካብ 3/4/2026 ዓም ክሳብ 18/4/2016 ዓም ሰዓት 400 ናየ ንጉሆ ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ናብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ምእታዉ ትክእሉ

8 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መክበሪ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ 5000 ብር ናይ ፅሬት ኣቅሑት 2000 ብር ከተትሕዙ እትክእሉ

9 ተጫረቲ ቫትን ዊዝ ሆልዲንግ ኣብ ቢሮ ተቆሪፂ ኣታዊ ዝግበር ምካኑ ብተወሳኪ ቫት ዝተመዝገብኩምን ዝሰዓርክምዎ ንበረት ድምር ልዕሊ ብር 5000 እንተኮይኑ ኤጀንስና ቫት ዝቆርፅ ምካኑ ክፈልጡ ይግባእ

10 እቲ ጨረታ ዕለት 18/4/2016 ዓም ሰዓት 4:00 ናይ ንጎሆ ተዓሺጉ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ንጎሆ ኣብ ኤጀንሲ ምርግጋፅ ብቅዓት ሙያ ክልል ትግራይ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

11ኤጀንሲና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብክፈል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ ኮይኑ 20 ሚእታዊ ምዉሰክ ምቅናስን ዝክእል ምካኑ ነፍልጥ

ንዝበለፀ ሐበሬታ ቀበሌ 17 ጥቃ ገብሪኤል ቤተ ክርስቲያን ዕደጋ ብዕራይ ስልኪ ቁፅሪ 0342415092

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo