ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ንዝተፈላለዩ ሰራሕተኛታተ uniform ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደለየ ክትጫረቱ እትደልዩ ሲዒቡ ተዘርዚሩ ዘሎ ሮቑሓ እተማልኡ ትካላት ንክትወዳደሩ ይዕድም፡፡

ደደቢት ትካል ልቓሕነ ምዕቓሪን/ደደቢት ትፍልም/

1. ተጫረቲ ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ /TN ከቕርቡ ዝኸእሉን ከምኡ እውን ናይ 2015 ዓ.ም ሕጋዊ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም፣ ቫት ተመዝገብቲ ምዃንኩም መረዳእታ ክተቕርቡ ኣትኽእሉ፡

2. ተጫረቲ ካብ ዘቕርብዎ ጠቕላላ ዋጋ 2% ናይ ጨረታ መኸበሪ ሕጋውነቱ ዝተረጋገፀ CPO ከትሕዙ ዝኸእሉ፡፡ ካብ 2% ዝነኣሰ ዘትሐዘ ተጫራታይ ካብ ጨረታ ይስረዝ፣

3. ዝርዝር ዝሓዘ ደኩመንት ካብ ዕለት 29/03/2016 ዓ.ም ጀሚሩ ካብ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ማይክሮ ፋይናንስ ጨንፈር መቐለ ቁ.2 ብብር 50/ሓምሳ ጥራሕ ብምኽፋል ኣብ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ትኸእሉ፣

4. ናይ ጨረታ ደኩመንት ብፖስታ /ሽምዒ ዝተዓሸገ ኾይኑ ናብ ጨረታ ሳንዱቕ ኣታዊ ዝግበረሉ ካብ ዕለት 29/03/2016 ዓ.ም እስካብ ዕለት 12/4/2016 ዓ.ም ሰዓት 3፡00 ናይ ንጉሆ ዘሎ ግዜ ይኸውን፣

5. ጨረታ ዕለት 12/4/2016 ዓ.ም ሰዓት 3፡00 ናይ ንጉሆ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ተዓሺጉ በቲ ዕለት ሰዓት 3፡00 ናይ ንጉሆ ተጫረቲ ወይ ወኪሎም ኣብ ዝተረኸብሉ ብኣባላት ጨረታ ኮምቴ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ኣብ ቤት ፅሕፈት ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ይኽፈት፡፡ ተጫረቲ ወይ ወኪላት ብኣካል እንተዘይተረኸቡ እውን እቲ ጨረታ ዝክፈት ይኸውን፡፡

6. ናይ ጨረታ ሰዓራይ ውፅኢት ምስተፈለጠ ካብ ጠቕላላ ዋጋ 10% ናይ ስራሕ ኣፈፃፅማ ውሕስና /unconditional Performance bond/ ከትሕዝ ዝኽእል፣

7. ናይ ጨረታ ሰዓራይ ውፅኢት ምስተገለፀ ኣብ ውሽጢ ተኸታተልቲ 5 መዓልቲ ናብ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ዋና ቢሮ ቐሪቡ ውዕሊ ክኣስር ኣለዎ፡፡

8. ተጫረቲ ትካል ካብ ዘቕረቦ ስፐስፍኬሽን ወፃኢ ከቕርቡ ኣይፍቀድን

9. ትካል ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣

10. ተወሳኺ ሓበሬታ እንተድልዩ ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ሳልሳይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 307 ብኣካል ብምቕራብ ምርካብ ይካኣል እዩ፡፡

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo