ሓፈሻዊ ሆስፒታል ማያኒ ከተማ ሸራሮ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕቀባ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ናይ በጀት ዓምት 2016 ዓም ነቲ ሆስፖታል አገልገሎት ዝዉዕል ንብረት መሳርሒ ፅሕፈት : ሰራሕቲ ሕትመት : ኣቅሑት ፅሬት : መለዋወጢ ኣቅሑት መኪና : ናይ አሌክትሪክን ህንፃን ተገጣጠምቲ ኣቅሑት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ሆስፒታል ማያኒ ሽራሮ

1 ናይቲ ዘፈር ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ መቅረባይነት ዘለኩም ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ምዝገባ ምስክር ወረቀት ከቅርቡ ዝክእሉ

2 ናይ ከፋሊ ግብሪ ቲን ናምበር ማለት እዉን መፍለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግበሪ ዘለኩም

3 ንመከበሪ ጨረታ 10000/ ዓሰርተ ሽሕ/ ቅርሺ ከምእዉን ተወዳዳራይ ሰዓራይ ኣብ ዝኮነሉ እዋን ካብ ጠቅላላ ዋጋ መከበሪ ዉዕሊ 10 ሚእታዊ ብጥረ ገንዘብ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሕጋዊ ቼክ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ዉሕስና ባንኪ ስፒኦ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሌተር ኦፍ ክሪዲት ከትሕዝ ዝክእል

4 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ካብ 26 ሕዳር 2016 ዓም ክሳብ 5 ታሕሳስ 2016 ዓም ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ ሰዓት ኣብ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕቀባ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ሓፈሻዊ ሆስፒታል ማይኣይኒ ንኡስ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ክፍሊ ክትወስዱ ንዕድም

5 ሰዓራይ ምካንኩም ምስተረጋገፀ ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ዉዕሊ ክትኣስሩ ትክእሉ

6 ጨረታ ዝዕፀወሉ እዋን 5 ታሕሳስ 2016 ዓም ዓት 4:00 ቅድሚ ሰዓት ኮይኑ ጨረታ ዝክፈተሉ ብተመሳሳሊ ዕለት 5 ታሕሳስ 2016 ዓም ዓት 4:30 ቅድሚ ሰዓት ይከዉን

7 ኩሉ መረዳእታኩም ቅዳሕ ብምግባር ምስ ናይ ዋጋ መቅረቢ ዝርዝር ሰነድ ብምትሓዝ ዓሺግኩም ናብ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ሓፈሻዊ ሆስፒታል ማይኣይኒ ንኡስ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ክፍሊ ኣብ ዘዳለዎ ሳንዱቅ ጨረታ ምእታዉ ትክእሉ

8 ተወዳደርቲ ዝሰዓርክምዉ ንብረት ብናይ ባዕሎም መገዓዝያ ናብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ማይኣይኒ ንብረት ክፍሊ ከረክቡ ዝክእሉ

9 ቤት ፅሕፈትና ዝሸሐ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

10 ኣብ ናይ ባዕልና መቅረቢ ዝርዝር ብፅሬትን ብፅፈትን ክምልኣ ይግባእ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo