ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክ/ከተማ ሰሜን ኣብ ክ/ከተማና ፖሊስ ቤት ፅሕፈት ዝርከባ ዘገልገለ ንብረት ዝውገድ ዝ/ዩ ሓፂን መፂን እና ዝተሰባበረ ናይ በሪ መዓዖ ዝ/ዩ ቁርዕራዕ ተንዲኖ/ብረት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ስለዝደለየ ክትወዳደሩ ንዕድም፡፡

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክ/ከተማ ሰሜን

ስለዚ ነዚ ዝስዕብ ሮቋሕታት አማሊእኩም ክትጫረቱ /ክትወዳደሩ እንትንዕድም

1. እቲ ዝውገድ ንብረት ዝርከብሉ ቦታ አብ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ክ/ከ/ሰሜን ዝርከብ ምኳኑ ።

2. ተጫረቲ እቲ ዝውገድ ንብረት አብ ዘለውሉ ቦታ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ክ/ከ/ሰሜን ብአካል ብምካድ ምርአይ ዝካኣል ምኳኑ።

3. ተጫረቲ ናይቲ ዝውገድ ንብረት ዋጋ አብ ወረቀት ብምምላእ ብዝተዓሸገ ፖስታ ከእትው አለዋ።

4.በዚ መሰረት ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ዝውገድ ንብረት ካብ ቤት ፅሕፈት ት/ፋ/ክ/ከ ሰሜን ከ/ስ/ዕ/ንብ/ምም/ር ዘይምለስ ብር 50 ብምኸፋል ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ሰነድ ምግዛእ ይካኣል።

5.ናይ ጨረታ መኸበሪ(ሲፒኦ)ወይ ብዝተፈለጠ ባንኪ ብዝተረጋገፀ ቸክ 5000 ብር/ ሓሙሽተ ሽሕ ብር ከትሕዝ ዝኸእል/ትኸእል።

6. እቲ ምልክታ ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሐሉ እዋን ካብ ዕለት 27/03/2016 ዓ/ም ክሳብ 11/04/16 ዓ/ም ዝፀንሕ ኮይኑ ጨረታ ዝዕፀወሉ 12/04/16 ዓ/ም ስዓት3:30 ናይ ቅድሚ ሰዓት ተዓፅዩ ዕለት 12/04/2016ዓ/ም ሰዓት 4:00 ቅድሚ ሰዓት አብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክ/ከተማ ሰሜን ከ/ስ/ዕ/ንብ/ምም/ር ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዘለዉዎ ዝክፈት ከይኑ እንተዘይተረኪቦም ግን እቲ ጨረታ ካብ ምክፋት አይኸልክልን ።

7. ተጫራታይ ሰዓራይ ምኳኑ ምስተነፀረ ኣብ ዉሽጢ 2ተ መዓልቲ ናይቲ ዝውገድ ንብረት ዋጋ አታዊ ብምግባር ክወስድ ዝክእል ።

8.ተጫራታይ ሰዓራይ ምኳኑ ምስተነፀረ ኣብ ዉሽጢ 2ተ መዓልቲ ናይቲ ዝውገድ ንብረት ዋጋ አታዊ ብምግባር እቲ ንብረት ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርትን ሚዛንን አቅሪቡ ክወስድ ዝክእል ።

9.ቤትፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

10. ኣብ ጨረታ ሰነድ ዝኮነ ይኩን ፅሑፍ ምፅሓፍ ስርዝ ድልዝ ምግባር ኣይፍቀድን ።

11. ኣድራሻና 05 ዒላላ 1ይ ብርኪ ቤት ት/ቲ ሕልፍ ኢልካ ወይ ድማ ካብ ደምበስኮ ንምዕራብ ገፅ ምፅእ ኢልካ እንትክውን አብ G ተ 1 ቁፅሪ 12 ንርከብ ፡፡

12. ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03 44 41 79 10 ደውልካ መብርሂ ምሕታት ትኽእሉ። 

13. ናይ ጨረታ ምልክታ መዕፀውን መኸፈትን ባዓል ወይ ቀዳምን ሰንበትን እንተዊዒሉ ኣብ ዝቕፅል ናይ ስራሕ መዓልቲ ይክፈት።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo