ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ዝተፈላለዩ ኤሌክትሮኒክስ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ደልዩ ብደብዳቤ ቁፅሪ DC/4340/10/2023 ናይ ጨረታ ምልክታ ከምዘውፀአ ይፍለጥ፡፡ ናይ ጨረታ መኸፈቲ ዕለት ድማ 02/4/2016 ዓ.ም እንትኸውን በቲ ዕለት ሰዓት 3 ናይ ንግሆ ጨረታ ሳንዱቕ ተዓሺጉ በቲ ዕለት ሰዓት 3፡30 ጨረታ ንክኸፈት ከምዝተወሰነ ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ተሓቢሩ ከምዝነበረ ይፍለጥ፡፡ ኮይኑ ግን ኣብ ዝተወሰነ ንብረት ናይ ስፐስፍኬሽን ለውጢ ስለ ዝተገበረ እቲ ጨረታ ዝተናወሐ ምዃኑ ንገልፅ፡፡

ደደቢት ትካል ልቓሕነ ምዕቓሪን/ደደቢት ትፍልም/

ናይ ጨረታ መኽፈቲ ማዓልቲ ምንዋሕን ናይ ጨረታ ሰነድ ምምሕያሽን ይምልከት

ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ዝተፈላለዩ ኤሌክትሮኒክስ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ደልዩ ብደብዳቤ ቁፅሪ DC/4340/10/2023 ናይ ጨረታ ምልክታ ከምዘውፀአ ይፍለጥ፡፡ ናይ ጨረታ መኸፈቲ ዕለት ድማ 02/4/2016 ዓ.ም እንትኸውን በቲ ዕለት ሰዓት 3 ናይ ንግሆ ጨረታ ሳንዱቕ ተዓሺጉ በቲ ዕለት ሰዓት 3፡30 ጨረታ ንክኸፈት ከምዝተወሰነ ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ተሓቢሩ ከምዝነበረ ይፍለጥ፡፡ ኮይኑ ግን ኣብ ዝተወሰነ ንብረት ናይ ስፐስፍኬሽን ለውጢ ስለ ዝተገበረ እቲ ጨረታ ዝተናወሐ ምዃኑ ንገልፅ፡፡

1. ሰነድ ጨረታ ዝዓደግኩም ትካላት እቲ ዝተለወጠ ስፐስፍኬሽን ዝሓዘ ሰነድ ብዘይ ክፍሊት ካብ ዕለት 26/3/2016 ጀሚሩ ካብቲ ዝዓደክምሉ ክትወስዱ ንሕብር

2. ተጫረቲ ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ TN ከቕርቡ ዝኽእሉን ከምኡ እውን ናይ 2015 ዓ.ም ሕጋዊ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም፣ ቫት ተመዝገብቲ ምዃንኩም መረዳእታ ክተቕርቡ አትኽእሉ፤

3. ናይ ጨረታ ደኩመንት ብፖስታ /ሽምዒ ዝተዓሸገ ኾይኑ ናብ ጨረታ ሳንዱቕ ኣታዊ ዝግበረሉ ካብ ዕለት 26/03/2016 እስካብ ዕለት 09/4/2016 ዓ.ም ሰዓት 3፡00 ናይ ንግሆ ዘሎ ግዜ ይኸውን፤

4. ጨረታ ዕለት 09/4/2016 ዓ.ም ሰዓት 3፡00 ናይ ንግሆ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ተዓሺጉ በቲ ዕለት ሰዓት 3፡30 ናይ ንግሆ ተጫረቲ ወይ ወኪሎም ኣብ ዝተረኸብሉ ብኣባላት ጨረታ ኮምቴ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ኣብ ቤት ፅሕፈት ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ይኸፈት፡፡ ተረቲ ወይ ወኪላት ብኣካል እንተዘይተረኸቡ እውን እቲ ጨረታ ይኸፈት፤

5. ተጫረቲ ካብ ጠቕላላ ዋጋ 2% ናይ ጨረታ መኸበሪ ሕጋውነቱ ዝተረጋገፀ CPO ከትሕዙ ዝኽእሉ፡፡ ካብ 2% ዝነኣሰ ዘትሓዘ ተጫራታይ ካብ ጨረታ ይስረዝ፣

6. እዚ መማሓየሺ ምልክታ እስካብ ዝወፅእ ሰነድ ዘይዓደጉኩም ዝርዝር ዝሓዘ ደኩመንት 26/03/2016 ዓ.ም ጀሚሩ ካብ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ማይክሮ ካብ ዕለት ጨንፈር መቐለ ቁ.2 ብብር 50/ሓምሳ ብር ጥራሕ/ ብምኽፋል ኣብ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ትኽእሉ፤

7. ናይ ጨረታ ሰዓራይ ውፅኢት ምስተፈለጠ ካብ ጠቕላላ ዋጋ 10% ናይ ስራሕ ኣፈፃፅማ ውሕስና /unconditional Performance bond/ ከትሕዝ ዝኽእል

8. ናይ ጨረታ ሰዓራይ ውፅኢት ምስተገለፀ ኣብ ውሽጢ 5 ናይ ስራሕ ማዓልቲ ናብ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ዋና ቢሮ ቐሪቡ ውዕሊ ክኣስር ኣለዎ፤

9. ተጫረቲ ትካል ካብ ዘቕረቦ ስፐስፍኬሽን ወፃኢ ከቕርቡ ኣይፍቀድን

10.ትካል ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልው እዩ፡፡

11.ተወሳኺ ሓበሬታ እንተድልዩ ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ሳልሳይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 307 ብኣካል ብምቕራብ ምርካብ ይካኣል እዩ፡፡

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo