ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ዉልቀ ማሕበር ሱር ኮንስትራክሽን ኣብ መቐለ ከይዲ መንገዲ ፕሮጀክት ናይ ሮድ ማርኪንግ ስራሕ ብንኡስ ስራሕ ተኮናተርቲ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ

Sur Construction PLC

1 ናይዚ ዓመት ዝተሐደሰ ሕጋዊን ዝተዛመደ ፈቃድ ንግዲ መለለይ ቁፅሪ ካፋሊ ግብሪ ተወሳኪ እሴት ታክስ ምኮንኩም እዉን መረዳአታ ምስቲ ሰነድ ብቅዳሕ ክተትሓዙ ይግባእ

2 ተጫረቲ እዚ ዝነኣሰ ሐደ ተመሳሳሊ ስራሕ ዝሰርሕሉን ጠቅላላ ተኮናተርቲ ደረጃ ኣርባዕተን ልዕሊኡን ህንፃ ስራሕቲ ተኮናተርቲ ደራጃ ሰለስተን ልዕሊኡን ወይ እዉን ፍቃድ ስራሕ ሮድ ማርኪንግ ዘለዎ ክኮኑ ይግባእ

3 ተጫረቲ ንጨረታ ካብ ዝተዳለወ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ 17 ታሐሳስ 2016 ዓም ኩሉ ግዘ ኣብ ስራሕ ሰዓት ዘይምለስ 5 ቅርሺ እናከፈልኩም ላጪ ካብ ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን ዲዛይንን ክፍሊ ሰነድ ጨረታ ክወስዱ ይግባእ

4 ተጫረቲ ዝወዳደሩ ዋጋ ቴክኒካልን ፕሮፖዛል ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ወይ እዉን ፖስታ ብዘይ ስርዝ ድልዝ ብጨረታ ሰነድ ዝተቀመጠ መሰረተ መሊእኩም ማሕተምኩም ገይርኩም ክሳብ 17 ታሐሳስ 2016 ዓም ሰዓት 3:00 ቅድሚ ቀትሪ ላጪ ኣብዝርከብ ቤት ፅሕፈት ትካል ክተቅርቡ ይግባእ

5 እቲ ቴክኒካል ፕሮፖዛል ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ሰዓት 3:30 ቅድሚ ቀትሪ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብቲ ትካል ዝርከብ መአከቢ ኣዳራሽ ዝክፈት ኮይኑ ዝተከበ ይኩን ዘይተረከበ ተጫራቲ በቲ ዉዕሊ ተገዛኢ ይከዉን

6 እቲ ፋይናንሻል ወይ እዉን ዋጋ ድማ 19 ታሐሳስ 2016 ዓም ሰዓት 3:00 ቅድሚ ቀትሪ ይክፈት

7 መከበሪ ጨረታ 100,000.00 ቅርሺ ብስፒኦ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ዘሎ ግዘ ከቅርቡ ይግባእ

8 ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ዉልቀ ማሕበር ሱር ኮንስትራክሽን ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙለእ ወይ ብክፋል ናይ መስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ኣድራሻ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ዉልቀ ማሕበር ሱር ኮንስትራክሽን መቐለ ላጪ ዝርከብ ቢሮ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo