በዓል መዚ ሓለዋን ከባቢን ለዉጢ ነባራዊ አየርን ክልል ትግራይ ንኣገልግሎት ዝዉዕል ናይ ኮምፒተር ተዛመድቲ ኣቅሑትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ኤጀንሲ ሓለዋ ስነ-ከባቢ ምምሕዳርን ኣጠቓቅማን መሬት ትግራይ

1 ተጫረቲ ናይ 2015 ዓም ፍቃድ ንግዲ መቅረባይነት ዝሐደሱ ቲን ናምበር ወይድማ ቁፅሪ ከፈላይነት ግብር ከቅርቡ ዝክእሉ

2 ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገቡን መስክር ወረቀት ናይ ወርሒ መሰከረም 2016 ዓም ተወሳኪ እሴት ታክስ ዲክልራሽን ከቅርቡ ዝክእል

3 ተጫረቲ ናይ መከበሪ ጨረታ 15,000.00 ቅርሺ ከቅርቡ ዝክእሉ

4 ዝተደለወ ሰነድ ጨረታ ዝርዝር መመርሒ ጨረታ ንሕድሕድ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 30 ብምክፋል ካብ በዓል መዚ ሓለዋን ከባቢን ለዉጢ ነባራዊ አየርን ክልል ትግራይ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ 10 ታሕሳስ 2016 ዓም ሰዓት 3:30 ብስራሕ ሰዓት ምዉሰድ ይከኣል

5 ጨረታ ሰነድ ዝተዳለወሉ 21 ሕዳር 2016 ዓም እዩ

6 ጨረታ ዝወፀሉ 25 ሕዳር 2016 ዓም ይከዉን

7 ጨረታ ዝዕፀወሉ 10 ታሕሳስ 2016 ዓም ሰዓት 3:30 ንጉሆ ይከዉን

8 ጨረታ ዝክለፈተሉ 10 ታሐሳስ 2016 ዓም ሰዓት 4:00 ንጉሆ ይከዉን

9 ጨረታ ዝሰዓሩ መቅረብቲ ንዝሰዓርዎ ኣቀሕ ብናይ ባዕሎም ወፃኢ መጎዓዝያ መፅዓንን መራገፍን ሸፊኖም ናብ ቤት ዕዩና የቅርቡ

10 በቲ ጨረታ ዝተሰዓሩ መቅረብቲ ወይ አገልግሎት ወሃብቲ ጨረታ ኣናሊስስ ምስ ተወደአ ሰዓራይ ተፈሊጡ ዉዕሊ ምስ ኣሰረ ዝትሓዝዎ ጨረታ መከበሪ ይምለሰሎም

11 ጨረታ ሰዓራይ ዉዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ 30 መዓልቲ ኣታዊ ዝገብር

12 ካብቲ ዝተቀመጠ ሳምፕል ወይ መርኣያ ካልእ ኣማራፂ ተባሂሉ ዋጋ ምቅማጥ ኣይፍቀድን ዉድቂ ድማ ይከወን

13 ዝተቀመጠ በዝሒ 20 ሚእታዊ ክዉስክን ክቅንስን ቤት ዕይና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብባጀት ምክንያትን ብክፋል ወይ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

14 ተጫራታይ ዘቅረቦ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝሐወሰ ወይ ዘይሐወሰ ምካኑ እንተዘይኣማላኪቱ ተወሳኪ እሴት ታክስ ሓዊሱ ከምዝተመለ ይቁፀር

15 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ 30 መዓልቲ ይከዉን

16 ተጫረቲ ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፐ ዋናን ቅዳሕን ብዝብል ነኒበይኑ ብምግባር ከቅርቡ አለዎም

17 ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ኣብ ቤት ፅሕፈትና ነትርፍ ምኮና ንገልፅ

18 ቅድመ ክፍለቲ ካብ ጠቅለላ እቲ ዉዕሊ ክሳብ 30 ሚእታዊ ዝኣክል ኮይኑ ነዚ ተመጠጣኒ ዝከዉን ዝተራገገፀ ቼክ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ዉሕስና ባንኪ ከቅርቡ አለዎም

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo