ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ (FSRP) ካብዚ ንታሕቲ ዝተገለፁ ሕድ ሕድ ምድብ /Lot ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ኣቑሑት ክዕድግ ከፀግንን ይደሊ " በዚ መሰረት ካብዚ ንታሕቲ ዝተገለፁ ረቛሒታት ብምምላእ ተዳሓሒዙ ዝቐረበ ዝርዝር መሰረት ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ቢሮ ቑፅሪ 09 ጨረታ ሰነድ ብምዕዳግ ትጫረቱ ከምትኸእሉ ነፍልጥ፡፡

ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ

ምድብ / Lot 1 ላፕቶፕ ኮምፒዩተር (Laptop computer) 

ምድብ / lot 2 ግሪን ሃውስ ዕገና (Green house maintenance) 

ምድብ/lot 3 ናይ ማይ መፃረይ ማሽን ፅገና(Water treatment maintenance) 

1. ብተዛማዲ ስራሕ ዘይሃስስ ናይ ዘመኑ ዝተሃደሰ ንግዲ ፈቓድ ፣ ቲን ናምበር ዘለዎ ኮፒ ከቕርብ ዝኽእልን ኣብ ናይ መቕረባይ ዝተመዝገበን ግብሪ ምኽፋሉ ዲክላራስዮን ናይ ወርሒ ጥቅምቲ / ሕዳር ምስክር ወረቐት ኮፒ ከቕርብ ዝኸእልን ። 

2.  ተጫረቲ ናይ ጨረታ ውሕስና መኸባሪ ንምድብ /Lot 1, 40,000 (ኣርብዓ ሽሕ) ን ምድብ / Lot 2 ን 3 ብር 20.000 (ዕስራ ሽሕ) ብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ሽም ዝተሰርሐ CPO ወይ ብሰርትፋይድ ቼክ ከትሕዙ ዝኸእሉ 

3.  ብተወሳኺ ድማ ንምድብot 2 ን ምድብ/ Lot 3 ንዝትጫረቱ ተወዳደርቲ ቕድሚ ሐዚ ኣብ ግሪን ሃውስን ብማይ መፃረይ ማሽን (Water treatment ) ምስራሕን ምፅጋንን ኣፍልጦ ዘለዎም ምዃኑ መረዳእታ ከቕርቡ ዝኽእሉ ፡፡ 

4. ተጫረቲ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ (VAT) ተመዝግብቲን ናይ ወርሒ ጥቅምቲ 2016 ዓ/ም ዲክለር ዝገበርኩም መረዳእታ ፎቶ ኮፒ ኸቕርቡ ኣለዎም፡፡ 

5. እቲ ጨረታ ብክልተ ኢንቨሎፕ ተዓሸጉ ኸቐርብ ዘለዎ እንትኸውን ዋንኡ /ኦርጅናል/ ምስ ቕዳሕ ኮፒ ሰነድ ናይቲ ትካል በዓል ስልጣን ፊርማን ማሕተምን ክህልዎ ይግባእ፡፡ ናይ ንግዲ ፈቓድ ፡ ቲን ዝተመዝገቡ፣ ቃለ መሓላ ፣ ናይ ኣቕራባይ ምዝገባ ምስክር ወረቐት ፣ CPO ወዘተ ዘድሊ ሰነድ ብኦርጅናል ዶክመንት ክተሓሓዝ ኣለዎ። 

6.  ሰነድ እቲ ጨረታ ኣብ ቢሮ ቑፅሪ 09 ዘይምለስ 50 (ሓምሳ ብር) ከፊሎም ብምውሳድ ኣብ ዝተዳለወ ሳፁን ምእታው ይኸእሉ። ከምኡ ውን ተጫረቲ ብዘቕርብዎ ናይ መወዳደሪ ሓሳብ ሽሞም ፣ ፊርማን ኣድራሻን ክገልፁ አለዎም፡ 

7. ተጫረቲ ኣብ ጨረታ ሰነድ መብርሂ ወይም ናይ ምምሕያሽ ሕቶ እንተሃሊዎም ቕድሚ ካብ ዝተወሰነ ግዜ ገደብ ብስልኪ ቑፅሪ 03-44-40-28-01 ክሓቱ ይኸእሉ፡፡ 

8. ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሐሉ ካብ ዕለት 25/03/2016 ዓ/ም እስካብ _ 08/04/2016 ዓ/ም ኾይኑ ዕለት 08/04/2016 ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ ኣብ ዝተጠቐሰ ዕለት ተጫረቲ ወይም ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ቢሮ ቑፅሪ 09 ይኸፈት ፡፡ ይኹን እምበር ተጫረቲ ጨረታ ኣብ ዝኸፈተሉ ጊዜ እንተዘይተረኪቦም እቲ ጨረታ ካብ ምኽፋት ኣይትኣጓጉልን፡፡ 

9.  ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ዝሐሸ ኣማራፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ ኢዩ፡፡ 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo