ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ከተማ ኣፅቢ ንቤት ፅሕፈት አገልግሎት ዝዉልዑ መሳርሒ ፅሕፈት: መሳርሒ ፅሬት: ሕትመት : መቀያየሪ ኣቅሑት መኪና : መቀያየሪ ኣቅሑት ሞተር ሳይክል ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኣፅቢ ወንበርታ


1 ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ መስክር ወረቀት ዘለዎ

2 ተጫረቲ ኣብ መቅረብቲ ዝርዝር ዝተመዝገቡን መረዳእታ ከቅርቡ አለዎም

3 ተጫረቲ ተወሳኪ እሰት ታክስ ምዝጉባት ዝኮኑን ናይ ወርሒ መስከረም 2016 ዓም ዲክለር ዝገበርሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ

4 ተጫረቲ ንመሳርሒ ፅሕፈት 10,000: መሳርሒ ፅሬት 3,000: ሕትመት 3,000: መቀያየሪ ኣቅሑት መኪና 5,000 : መቀያየሪ ኣቅሑት ሞተር ሳይክል 10,000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብስፒኦ መከበሪ ጨረታ ከትሕዝ ዝክእሉ

5 ኣብ ሕትመት ብሳምፕል ወይ መርኣያ መሰረት ይከዉን

6 ሰነድ ዝሽየጠሉ ኣብ ከተማ ኣፅቢ እንዳሲላሲየ ከይዲ ስራሕ ምምሕዳር ንብረትን ኮይኑ ናይ ሰነድ ጨረታ መሸጢ ዋጋ 50 ቅርሺ ጥራሕ ይከዉን

7 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ መዓልቲ 45 መዓልቲ ይከዉን

8 ዝሰዓሩ ተጫረቲ ዝሰዓርዎ ንብረት ብናይ ባዕሎም መፅዓንን መዉረድን መጎዓዝን ናብ ወረዳ ኣፅቢ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ከቅርርብ ዝክእል

9 ተወዳደሪ ሰዓሪ ዝከዉን ኣይተም ብኣተም ዝሰዓረ እዩ

10 ጨረታ ኣብ አየር ዝፀንሐሉ እዋን ካብ 19/03/2016 ክሳብ 05/04/2016 ዓም ኮይኑ ጨረታ 05/04/2016 ዓም ሰዓት 5:00 ተዐፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 5:30 ይክፈት

11 ተጫረቲ ኣብ ዘቅርብዎ ሰነድ ሽሞም ኣድራሾም ፊርማን ማህተምን ከዕርፉሉ ይግባእ

12 ተጫረቲ ኣብ ዘቅርብዎ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ክክዉን አለዎ

13 ጨረታ ብዘተፈላለየ ምክኒያተ ከዛብዕ ዝፈተነ ተጫረቲ እቲ ቤት ፅሕፈት ካብ ጨረታ ወፃኢ ገይሩ ዘትሓዝዎ ትሕጃ ናብ ናይ መንግስቲ ካዝና አታዊ ብምግባር ንቀፃሊ ንከይሳተፉ ይገብር

14 ተጫረቲ ሕጋዊ ወከልቶም ከምአዉን ዝተማለ ሰነድ ኣብ ዘቅርብሉ ይክፈት

15 ተጫረቲ ድሕሪ ጨረታ ሰነድ ምክፋቱ ኣይጫረትን ምባል ኣይፍቀድን

16 ከምኡ ንዝበለ ዝተሓዞ ትሕጃ ኣይምለሰሉን ተጫረቲ ዘቅርብዎ ሰነድ ዋናን ቅዳሕን ነንበይኑ ዓሺግኩም ዋናን ቅዳሕን ተባሂሉ ክፃሐፈሉ ይግበር

17 ቤት ፅሕፈትና ከልእ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መስሉ ዝተሐለወ እዩ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo