ኮምሽን ፖሊስ ትግራይ ኣብ 2016 ዓ/ም ብUNDP ካብ ዝተፈቐደ በጀት ኣብ ስልጠና ግዜ ንሰልጠንቲ ዝጥቐምሉ ሻሂ ቡና ሪፍረሽመንት ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደለየ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ሕጋዊያን ነጋዶ ንኸትወዳደሩ ይዕድም።

ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ትግራይ

ተወዳደርቲ ከማልእዎ ዝግባእ ረቛሒታት፡ 

1. ናይ 2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ኣተሓሒዙ ከቕርብ ዝኸእል። 

2. ናይ 2016 ዓ/ም መቕረባይነት ፍቓድ ዘለዎን ኣተሓሒዙ ከቕርብ ዝኸእል። 

3. ናይ ግብሪ ኸፋሊ መለለይ ቑፅሪ (Tin Number) ዘለዎን ኣተሓሒዙ ዝኸእልን። ዝበለ ክቕርብ 

4. ተወዳደርቲ ዝመልእዎ ፕሮፎርማ ካብ ዕለት 20/03/2016 ዓ/ም ክሳብ 22/03/2016 ዓ/ም ሰዓት 8፡00 ተዓዕዩ በቲ ዕለት ንሱ 8፡30 ኣብ ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ፋይናንስ ቢሮ ቑፅሪ 208 ዝኸፈት ይኸውን። 

5. ተወዳደርቲ አብ ዝመልእዎ ዕሽግ ፖስታ ማህተም ፣ ፌርማን ሙሉእ ሽም ምስ ስ/ቑፅሪ ክገልፁ ዝኸእሉ። 

6. ተወዳደርቲ ንዘሸነፍዎ ናይ ሪፍረሽመንት ዝርዝር ዓይነት ኣቅርቦት ካብ ዕለት 24/03/2016 ዓ/ም  ክሳብ 09/04/2016 ዓ/ም ን 16 ማዓልቲ ናብ ኮምሽን ፖሊስ ትግራይ ፈለግ ዳዕሮ ፖሊስ ኮሌጅ መሰልጠኒ ማእከል ሰልጠንቲ ናብ ዘለዉሉ ቦታ ብናይ ባዕሉ መጋዓዓዚያን ሰራሕተኛን ብቲ ተወዳዲሩ ዘሸነፎ ዝርዝር ኣቅርቦት መሰረት ብፅሬት ከቕርቡ ዝኸእሉ። 

7. ኮምሽን ፖሊስ ትግራይ መቐለ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብኸፊል ኮነ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልው እዩ። 

8. ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቑፅሪ 03 44 40 65 77 ደዊልኩም ምሕታት ትኸእሉ ምዃንኩም ክንገልፀልኩም ንፈቱ።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo