ማእከል ቤት ህንፀት ዓድዋ ኣብ በጀት ዓመት 2011ዓ/ም ብመሰረት ዝተመደበሉ በጀት ኣብ ቤት ህንፀት ውሽጢ ዝርከቡ ናይ ሕጊ ተሃነፅቲ ምግቢ ብግልፂ ጨረታ ኣጫሪቱ ከመግብ ይደሊ።

ማእከል ቤት ህንፀት ዓድዋ


1 እንዳ ምግቢ ዝብል ዘለኩም ናይ 2015/2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ክተቅርቡ ትኽእሉ፤

2 መለለይ ቁፅሪ ከፈሊ ግብሪ ዘለኩም፤

3 ተወሳኺ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኾንኩም መረዳእታ ክተቅርቡ ትኽእሉ፤

4 ብትልምን ፋይናንስን ዝተውሃበ ናይ 2015/2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር መረዳእታ ክተቅርቡ ትኽእሉ፤

5 ናይ ወርሒ ነሓሰ 2015 ዓ/ም ናይ ተወሳኺ እሴት ታክስ ሒሳብ ዘወራረድኩምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ ትኽእሉ፤

6 ተጫረቲ ኣብ ዘቅረብዎ ሰነድ መወዳደሪ ሽም ፣ ክታም ናይቲ ትካል ማህተምን ኣድራሻን ክተዕርፍሉ ይግባእ።

7 መኸበሪ ጨረታ 10,000.00 ሽሕ ቅርሺ ብሲፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ክተትሕዙ ይግባእ።

8 ተጫረቲ ንውዕሊ መኸበሪ ንሓደ ወርሒ ዝኽፈል 10% ገንዘብ ክተትሕዙ ትኽእሉ፤

9 ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሓሉ እዋን ካብ 19/03/2011ዓ/ም - 04/04/2016 ዓ/ም ዝፀንሕ ኮይን ሳንዱቅ ጨረታ 04/04/2011ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ማእኸል ቤት ህንፀት ዓድዋ ይኽፈት።

10 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 100.00 ቅርሺ ብምኽፋል ካብ ማእኸል ቤት ህንፀት ዓድዋ ደ/ከ/ስ/ዕ/ፈይ/ምም/ር/ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 4 እናመፃእኹም ክትዕድጉ ትኽእሉ ኢኹም።

11 ማእኸል ቤት ህንፀት ዓድዋ ካልእ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ 0914787028/0985755900 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo