ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ሓዉዜን ካብ በጀት ፕሮጀከት UINDP ብማሕበር ተወዲቦም መስኖ ንዘልምዑ ንቤት ፅሕፈት ሕርሻ ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ 2016 ዓም ሞተር ማይ ምስ ኣክሰሰሪኡ ወይ እዉን ምስ መለዋወጢ ናዉቲ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩም ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሓዉዜን

1 በቲ ዘፈር ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎ ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮነ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት እዉን ዘለዎ ናይ 2015 ግብሪ ዝከፈለ ተመዝጋቢ ተወሳኪ አሴት ታክስ ዝኮነ ከምእዉን ናይ ወርሒ ነሐሰ 2015 ዓም ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ሒሳብ ዘቅረበሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

2 ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ መከበሪ ጨረታ 10000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ መአዘዚ ክፍሊት ቼክ ስፒኦ ወይ እዉን ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሌተር ኦፍ ክሬዲት ከትሕዝ ዝክእል

3 እቲ ዘይሰዓረ ተጫራታይ መከበሪ ጨረታ ቢድ ቦንድ ሰዓራይ ምስተገለፀ ብመምርሒ ዕደጋ መሰረት ይምለሰሉ

4 ሞተር ማይ ምስ ኣከሰሰሪኡ ወይ እዉን መለዋወጢ ናዉቱ 18 /3/2016 ዓም ጀሚሩ ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ብምዕደጋ ኣብቲ ዝተዳለወ ሰነድ ብምምላእ ዋናን ቅዳሕን ነንበይኑ ኣብ ዝተፋለለየ ፖስታ ዓሺጎም ፊርማን ማህተምን ተገይርሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት ምምሕዳር እቶትን ፋይናንስን ወረዳ ሓዉዜን ቁፅሪ 1 ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ይኣትዉ

5 ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕፀወሉ ድማ 28/3/2016 ዓም ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ ሽዑ ንሽዑ ሰዓት 8:30 ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ሓዉዜን ክፍሊ ቁፅሪ 1 ይክፈት ተጫረቲ ባዕሎም ወይ  ሕጋዊ ወከልቶም ተዘህልዉ ይምረፅ እንተዘይሓሊዎም ግና ዘይተከፈተ ዝምለስ ፖስታ ኣይህሉን

6 ሰዓራይ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲታት ኣብ ቤት ፅሕፈት ብኣካል መፂኡ ዉዕሊ ይኣስር

7 ዝርዝር መረዳእታ ዝሐዘ ሰነድ ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ሓዉዜን ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ክፍሊ ቁፅሪ 1 ምዉሳድ ይከኣል

8 ሰዓራይ ጨረታ ዉዕሊ እንትኣስር ካብ ዝሰዓሮ ጠቅላላ ዋጋ 10 ሚእታዊ መከበሪ ዉዕሊ ክትሕዝ ዝክእል ምካኑ ክፍለጥ አለዎ

9 ሰዓራይ ዉዕሊ ኣሲሩ ንብረት አታዊ ዘይገበረ እቲ ኣታዊ ዘይትገበረ ንብረት ብነብሰወከፍ መዓልቲታት  1/1000 ተቀፂዑ እቲ ዝሰዓሮ ንብረት አታዊ ይገበር

10 ተጫረቲ ካብ ዝተመለአ ዝርዝር ዋጋ ዝተሐተ ብምዉሳድ ሰዓራይ ዘፍለጥ ምካኑ ኣሚኖም ክወዳደሩ አለዎም

11 እቲ ጨረታ ብዝተፋለለየ መልክዑ ከዛብዕ ዝፈተነ ተጫራታይ እቲ ቤት ፅሕፈት ካብ ጨረታ ወፃኢ ገይሩ ንቀፃሊ ክይሳተፍ  ይገብር

12 ተጫረቲ ድሕሪ ሳንዱቅ ጨረታ ምክፋቱ ጨረታ ኣይሳተፍን ምባል ኣይፍቀድን ወይ እዉን ኣይክእልን እዚ እንተይሉ ድማ ዘትሓዞ መከበሪ ጨረታ ናብ ካዝና መንግስቲ አታዊ ይከዉን

13 ሰዓራይ ንዝሰዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዓዚ ብምሽፋን ኣብ ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ሓዉዜን ክፍሊ ቁፅሪ 1 አታዊ ይገብር

14 ሰነድ ጨረታ እቲ ቤት ዕዩ ባዕሉ ካብ ዘዳለዎ ቅጥዒ ወፃኢ ምጥቃም ኣይፍቀድን ብመምርሒ መሰረት ኣብ እንዕድጎ ንብረት እቲ ቤት ፅሕፈት 20 ሚእታዊ ክንኪ ወይ እዉን ክዉስክ ከም ዝክእል ክፈልጡ አለዎም

15 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

16 እቲ ሞተር ማይ ምስ ኣክሰሰሪኡ በቲ ዝወፀ ስፐስፈከሽን ወይ እዉን ዝርዝር ብበዓል ሞያ ምስተረጋገፀ አታዊ ይኩን ኢሉ ምስ ፃሓፈን ክፍሊት ንከፈል ምኮና እዉን ተጫረቲ ክትፈልጡ ይግባእ

ንተወሳኪ ሐበሬታ  0914101196 0914138946

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo