ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ንኣብያተ ትምህርቲ አገልግሎት ዝዉሉ መቀመጢ ተምሃሮ ዴስክ ማለት እዉን / combined desk/ : ናይ መምሀራን ጠረጰዛ ማለት እዉን/ teachers table / : ናይ መምህራን ወንበር ማለት እዉን/ teachers chair / :ፀሊም ሰሌዳ / black board / በቲ ቢሮ ዘቀመጦ ብግልፂ ዝርዝር መዓቀኒታት መሰረት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፤

ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ

1 ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ከቅርቡ ዝክእሉ

2 ናይ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ዘለዎም                       

3 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ማለት እዉን ቲን ናምበር ከቅርቡ ዝክእሉ

4 ዓቅሚ መፍራይነቶም ዝምልከት መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ

5 ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮነ

6 ዝሐሸ ፋይናንሻልን ዝለዓለ ናይ መፍረይነት ዓቅሚ ዘለዎምን ሕጋዊያን መቅረብቲ ማለት እዉን  መፍረይቲ ክኮኑ አለዎም

7 መብራህቲ እንትጠፍእ ብናይ ባዕሉ ጀነሬተር ብምጥቃም ብዘይምቁርራፅ ናይ ምስራሕ መላተ እዉን ናይ ምፍራይ ተክእሎ ዘለዎ ክኮኑ ይግባእ

8 ሰነድ ጨረታ ዝሽየጠሉ ቦታ እዋንን ዝምልከተ ሰነድ ጨረታ ዝሽየጠሉ ቦታ ኣብ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 12 እንትከዉን ዋጋ መሸጣ ሰነድ  ጨረታ ንብስወከፍ ዘይምለሰ 100.00 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይከኣል።

6 ሰነድ ጨረታ ዝሽየጠሉ እዋን እዚ ምልክታ ጨረታ ብሬድዩ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት 18/03/2016ዓ/ም ክሳብ 27/03/2016 ዓ/ም ሰዓት 8:00 ኩሉ ሻብ ኣብ ስራሕ ሰዓት ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ይከኣል፤

7 ተጫረቲ ናይ ባዕል ዋና ማሕተም ዘለዎ ዋናን ቅዳሕን መረዳእታ ክሳብ 27/03/2016 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ኣብ ቢሮ ትምህርቲን ክልል ትግራይ ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 12 ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ምእታዉ ይክእሉ

8 እቲ ጨረታ 27/03/2016 ዓ/ም ሰዓት 4:45 ተዓሺጉ በቲ ዕለት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ልክዕ ሰዓት 9:00 ይክፈት

9 ጨረታ ሰዓራይ ጨረታ ምዃኑ ብደብደቤ ካብ ዝተገለፁ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር ይግባእ

10 ስርዓት ርክክብን ጨረታ መከብሪን ዝምልከት መቀመጢ ተምሃሮዴስክ 1200 x 730 x 710 በዝሒ 2000 ጠቅላላ ዝተዉሃበ መስርሒ መዓልቲ 60 መዓልቲ ብመዓለቲ ሰሪሑ ዘረክቦ በዝሒ 34 ካልአይ ዲስክ መቀመጢ ተምሃሮ 1200 x 715 x 750 በዝሒ 28555 ጠቅላላ ዝተዉሃበ መስርሒ መዓልቲ 120 መዓልቲ ብመዓለቲ ሰሪሑ ዘረክቦ በዝሒ 238

11  ሳልሳይ ጠረጰዛ መመህር 1200 x 600 x 750 በዝሒ 3021 ጠቅላላ ዝተዉሃበ መስርሒ መዓልቲ 90 መዓልቲ  ራብዓይ ጠረጰዛ መምህር 1500 x800 x 760 በዝሒ 800 ጠቅላላ ዝተዉሃበ መስርሒ መዓልቲ 30 መዓልቲ ብመዓለቲ ሰሪሑ ዘረክቦ በዝሒ 27 ሓምሻይ ወንበር መምህር 900 x 400 x 450 በዝሒ 4002 ጠቅላላ ዝተዉሃበ መስርሒ መዓልቲ 90 መዓልቲ ብመዓለቲ ሰሪሑ ዘረክቦ በዝሒ 45 ሻድሻይ ፀሊም ሰሌዳ 2400 x 1200 በዝሒ 11809 ጠቅላላ ዝተዉሃበ መስርሒ መዓልቲ 60 መዓልቲ ብመዓለቲ ሰሪሑ ዘረክቦ በዝሒ 197

12 መተሓሳሳቢ ንጨረታ መከበሪ ዘትሕዞ መጠን ስፒኦ 150000 ቅርሺ መረከቢ ቦታ ኣብ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ንብረት ክፍሊ ኮይኑ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያን ካልኦት ወፃእን ዝሽፈን ይከዉን

13 እቲ ቢሮ ዝሐሸ አማራፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ ዝተሐለወ እዩ፤

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344-403477 / 0344-408299 ምሕታት ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo