ቤት ማዛጋጃ ክ/ከተማ ዓይደር ን2016 ዓም በጀት ዓመት ካብዚ ንታሕቲ ዘርዘሩ መሳርሒ ፅሕፈት : ኣቅሑት ፅሬት :ኤሌክትሮኒክስን : ፈርኒቸርን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት መዘጋጃ ክፍለ ከተማ ዓይደር

1 በቲ ዘፈር ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ቅዳሕ ዝተሐደሰ ወረቀት መቅረባይነት ምስክር ቅዳሕን ናይ ግብሪ ከፈላይ መፍለይ ቁፅሪ ቲን ናምበር ቅደሕ ተወሳኪ አሴት ታክስ ማለት እዉን ቫተ ዝተመዝገብኩም ናይ ቀረባ ወርሒ 2016 ዓም ቫት ድክለሬሽን መረዳእታ ቅዳሕ ክተቅርቡ እትክእሉ

2 ሰዓራይ ጨረታ ምካኑ ካብ ዝገገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 6 ናይ ስራሕ መዓልቲ ዉዕሊ ብምእሳር በቲ ዝወፀ እስፔስፊኬሽን መሰረት ካብ ጠቅላላ ዋጋ ዉዕሊ 10 ሚእታዊ መከበሪ ዉዕሊ ኣትሒዙ ብዝኣተዎ ዉዕሊ መሰረት ብናይ ባዕሉ  ወፃኢ መጎዓዝያ መፅዓንን መራገፍን ኣብ ዉሸጢ 10 መዓልቲ ናብ ቤት መዘጋጃ ክፍለ ከተማ ዓይደር ቁፅሪ ክፍሊ 6 ብባዕል ሞያን መረጋገፅን ኮሜቴን ተፈቲሹ ትክክለኛነቱ ምስተረጋገፀ አታዊ ይከዉን

3 ሰነድ ጨረታ ሙሉእ ብሙሉእ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ኣብ ነብሰ ወከፍ ሰነድ ጨረታ ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ማህተምን ፊርማን ዘለዎ ብሐደ ዋናን ክልተ ቅዳሕን ናይ መወዳደሪ ዋጋ መሊኦም ከቅርብ ይግባእ

4 ተጫረቲ ንዝተዳለወ መመርሒ ጨረታን ሰነድ ጨረታ ንምግዛእ ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል  ናብ ሒሳብ ቁፅሪ ንግዲ ባንኪ ቁፅሪ  አካዉንት ቤት ማዛጋጃ ክ/ከተማ ዓይደር አታዊ ገይርኩም ስሊፕ ብምሓዝ  ካብ 18/03/2016ዓ/ም ክሳብ 28/03/2016 ኣብ ሰዓት ስራሕ ብኣካል ብምቅራብ ሰነድ ጨረታ ክትገዝኡን ክትወዳደሩን ትክእሉ

5 ተጫራታይ ንመከበሪ ጨረታ ንምሳርሒ ፅሐፈት 8000 ቅርሺ : ንኣቅሑት ፅሬት 2000 :ንኤሌክትሮኒክስ 10000 : ንፈርኒቸር 10000 ብባንኪ ብሽም ቤት መዘጋጃ  ክፍለ ከተማ ዓይደር ብስፒኦ ወይ ብሰርቲፋይድ ቼክ ወይ ብጥረ ገንዘብ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ሳነዱቅ ጨረታ ከቅርብ ዝክእል

6 እቲ ጨረታ 28/03/2013ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡30 ቅደሚ ቀትሪ ኣብ ቤት መዘጋጃ ክፍለ ከተማ ዓይደር ከይዲ ስራሕን ትልምን ትልምን በጀትን ዕደጋ ንብረትን ምምሕዳት ፋይናንንስ ክፍሊ ቁፅሪ 6 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላት ኣብ ዘለዉሉ ይክፈት

7 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

8 እቲ ጨረታ ምስተከፈት እቲ ቤት ፅሐፈት ናይቲ ዝግዛእ መጠን ክሳብ 20 ሚእታዊ ክቅንስ ወይ ክዉስክ ይክእለ እዩ

9 ካሊእ ብኣዋጃ ቁፅሪ 255/2007 ብዘሎ ንዚ መተግብሪ መምርሒን ይፍፀም

ኣደራሻ መቀለ ዓይደር ሪፈራል ሆስፒታል ታሕተዋይ በሪ ቤት መዘጋጃ ክፍለ ከተማ ዓይደር ከይዲ ስራሕ ትልምን በጀትን ዕደጋ ንብረትን ምምሕዳት ፋይናንንስ ክፍሊ ቁፅሪ 6

ንዝበለፀ ሐበሬታ  0991060173

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo