ኣብ ኮሙሽን አብያተ ህንፀት ክ/ትግራይ ዓ/ዓዲ ቤት ህንፀት ማእከል ናይ 2016 ዓም በጀት ዓመት ንቲ ትካል ግልጋሎት ዝዉዕሉ ናይ ቢሮ ቀወምቲ ኣቅሑት ፡ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ፡ናይ ፅሬት ሃለቅቲ መሳርሒን ብጭረታ አወዳደሩ ንብረት ክገዝእ ስለ ዝደሊ ብተወሳኪ ድማ ንሕደ ዓመት ዉዕሊ ኣሲሩ ንትሃነፅቲ ዝምግብ /ዝቅልብ / ነጋዳይ ብጨረታ አወዳዲሩ ክንዕድግን ክንምግብን ስለዝለይና ዝስዕብ ረቆሒ እተማልአኡ ነጋዶ ክትዋደደሩ ትክእሉ

ዓብዮ ዓዲ ቤት ህንፀት ማእከል

1 ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድን መቅረባይነትን ከምእዉ ናየ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቲን ናምነበር ኦርጅናል ምስ ፎቶ ኮፒ ከቅርብ ዝክእል

2 ናይ ወርሒ መስከረም ን 2016 ዓም ወርሓዊ ዲክለር ዝገበረ ምካኑ መረዳአታ ዘቅርብ

3 ዝወዳደር ንጋዳይ ዝወዳደሮ ዓይነት ንብረት በቲ ናይ ማእከል ስፔስፊኬሽን ምካኑ ፈሊጡ ዝመልእ

4 ናይ ሰነድ ጨረታ ዋጋ ብር 30 ከፊሎም ካብ ዓ/ዓዲ ቤት ህንፀት ዕ/ፍ/ንብ/ምም/ርን ክወስዱ አለዎም

5 ተወዳደርቲ እቲ በቲ ትካል ዝወፀ ስፔስፊኬሽን ምቅያር ወይ ምስራዝ ኣይፍቀድን

6 ዘሸነፍዎ ንብረት እንተቅርብ በቲ ስፐሰፌከሽን ዝቀረበ ምካኑ ብብዓል ሞያ ወይ በቲ ትካል ዝተጣየሹ ፅሬት መረጋገፂ ኮሜቴ ተረጋጊፁ አታዊ ምስኮነ ሒሰብ ዝክፈል ምካኑ ፈሊጦም ክቀርቡ አለዎም

7 አሸናፊ ዝኮነ ነጋዳይ ኣብቲ ዉዕሊ ጨረታ ዝተነፀረ መዓልቲን ቦታን አታዊ እንተዘይ ገይሩ / እንተዘንጊዑ / በቢ መዓልቱ ዝሕሰብ 0.05 % እናቆረፀ ናብ ናይ መንግስቲ ካዝና አታዊ ይከዉን

8 ንምግቢ ተሃነፅቲ ዝወዳደሩ ነጋዶ ናይ ሐደ ተሃናፃይ ቀለብ ንመዓልቲ 53.45 ብር ንወርሒ 1603.50 ምካኑ ፈሊጦም ክወዳደሩ አለዎም

 9 ጨረታ መከበሪ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ወይ ጥረ ገንዘብ ንሕድሕድ ሰነድ ጨረታ ብር 2000 ከትሕዝ ዝክእል

10 ናይቲ ዘሸነፎ ንብረት ጠቅላላ ድምር ዋጋ 10ሚእታዊ ዉዕሊ መከበሪ ከትሕዝ ዝክእል

11 አሸናፊ ዝኮነ ነጋዳይ አሸናፊ ምካኑ ካብ ዝተነገሮ ኣብ ዉሽጢ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዓ/ዓዲ ቤት ህንፀት ማእከል ብኣካል ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ቀሪቦም ዉዕሊ ክኣስሩ አለዎም

12 ዘሸነፍዎ ንብረት ዋጋ ልዕል 10000 እንተኮይኑ 2 ሚእታዊ ታክሲ ዊዝ ሆልድ ይከፍሉ

13 ተወዳዳራይ ሰነድ ጨረታ ካብ ዓ/ዓዲ ቤት ህንፀት ዕደጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳር  ምዉሳድ ይከኣል

14 ጨረታ ኣብ አየር ዝፀንሐሉ ካብ ዕለት 17/3/2016 ዓም ክሳብ ዕለት 05/4/2016 ዓም

15 ጨረታ ዐለት 05 /04/ 2016 ዓም ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 8:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

16 እቲ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ 15 ናይ ስራሕ መዓለቲ አብ አየር ይፀንሕ

17 እቲ ማእከል ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንዝበለፀ ሐበሬታ ብሞባል ቁፅሪ 0914167859  /   0914098882

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo