ጨረታ መዓልቲ ለዉጢ ኣብ ማእከል ህንፀት መሰልጠኒ ማናእሰይ ትግራይ ኣብ 2016 ዓም 1ይዙር ጨረታ ካብ ዝተመደበሉ በጀት መሰረት ብምግባር ናይ ማተሪያል ዕድጊት ንምክያድ ናይ ፅሕፈት መሳርሒን ናይ ፅሬት መሳርሕን ካብ ሕጋዊያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ ብግልፂ ጨረታ ንክትወዳደሩ ይዕድም

ማእከል ህንፀት መሰልጠኒ ማናእሰይ ትግራይ

ኣብ ማእከል ህንፀት መሰልጠኒ ማናእሰይ ትግራይ ኣብ 2016 ዓም 1ይዙር ጨረታ ካብ ዝተመደበሉ በጀት መሰረት ብምግባር ናይ ማተሪያል ዕድጊት ንምክያድ ናይ ፅሕፈት መሳርሒን ናይ ፅሬት መሳርሕን ካብ ሕጋዊያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ ብግልፂ ጨረታ ንክትወዳደሩ ይዕድም

1 በቲ ዝተጠቀሰ ዘርፊ ስራሕ ሕጋዊ ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ/ዋ

2 ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት መረዳእታ ዘቅርቡ

3 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ቲን ዘለዎ /ዎ

4 ናይ ቫት ተመዝገብቲ ሰርተፈኬት ዘቅርብ

5 ቫት ተመዝገብቲ ምካኖም ናይ ተከታታሊ ወርሒ ዲክለረሽን ዝገበረሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ

6 እዚ ዝስዕብ ጨረታ መክበሪ /ቢድ ቦንድ/ ክትሕዙ ዝክእሉ

ተቁ

ዓይነት ዘርፍ

ጨረታ መከበሪ

ሰነድ መሸጢ

1

ናይ ፅሕፈት መሳርሒታት

25000 ብር

200 ብር

2

ናይ ፅሬት መሳርሒታት

15000 ብር

200 ብር

 7 ብኣፍልጦ ዘለዎ ባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ብሽም ማ/ህ/መ/መ/ትግራይ ወይ ጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ዝክእል

8 ሰነድ ጨረታ እዚ ምልክታ ካብ ዝተቃለሐሉ ካብ ዕለት 14/3/2016 ዓም ጀሚሩ ክሳብ 28/3/2016 ዓም ሰዓት 4ዕ00 ኮይኑ ዘይምለስ 200 ብር ብምክፋል ካብ ዓዲሓቂ ኣብሲኒያ ባንኪ መቐለ ዝተካረናዩ ቢሮ 1ይ ደብሪ ጨረታ ሰነድ ብምዉሳድ ብዝተዓሸገ ፖስታ ኦርጅናል ኣብ ዓዲሓቂ ኣብሲኒያ ባንኪ መቐለ ዝተካረናዩ ቢሮ 1ይ ደብሪ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ምእታዉ ይክእሉ

9 እቲ ጨረታ ዕለት 24/3/2016 ዓም ሰዓት 4:00 ቅድሚ ሰዓት ተዓፅዩ ዕለት 24/3/2016 ዓም ልክዕ ሰዓት 4:30 ኣበ ዓዲሓቂ ኣብሲኒያ ባንኪ መቐለ ዝተካረናዩ ቢሮ 1ይ ደብሪ ተጫረቲ /ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይክፈት ኣብቲ ዝተብሃለ ቦታን ሰዓት ተጫረቲ ወይ ወኪሎም እንድሕር ዘይተረኪቦም ኣብ ዘየለዉሉ ይክፈት

10 ሰዓራይ ጨረታ ንምከበሪ ዉዕል ጨረታ 10 ሚእታዊ ናይ ዝሰዓርዎ ዋጋ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል

11 ብኣሸናፍነት ተመዝገቡ ብእዋኑ ኣቁሑት እንተዘይኣቅረበ መቅረባይ በቲ ናይ ጨረታ ደነቢ መሰረት ኣብ መዓልቲ 1/1000 ብር እናተቀፅዐ ንበረት አታዊ ይገብር

12 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ እዋን ካብ ጨረታ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ 60 መዓልቲ ይከዉን

13 ተወዳደሪ ጨረታ ኣብ ዘቅርቦ ናይ ግ/ጨረታ ሰነድ ሽሙ ፌርምኡን ኣድራሻኡን ማህተም ናይቲ ድርጅት ብትክክል ዘየቀመጠ ጨረታ ደኩመንት ስርዝ ድልዝ እንተልዎን ካብቲ ጨረታ ይስረዝ

14 ተጫረቲ ናይ ሕድሕድ ዋጋ ምስ ቫቱ መሊእኩም ንክተቅርቡ ነፍልጥ ምስ ቫቱ እንዘተይመሊእኩም ተወሰኪ እሴት ታክስ ከም ዝመለእ ይቁፅር

15 ተጫራታይ እቲ ጨረታ ኣሸኒፉ ተባሂሉ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ ሰለስተ ስራሕ መዓልቲ ዉዕሊ ብምእሳር ኣብ ዉሽጢ 10 ተከታተልቲ መዓልቲ ንብረት ብሙሉእነት ብና ባዕሉ መጎዓዝያ መፅዓንን መራገፍን ኣብ ስራሕ ሰዓት ናብ ዓዲ ሓቂ ኣብሲኒያ ባንለኪ መቐለ ዝተካረናዩ ቢሮ 1ይ ደብሪ ክቅርብ ዝክእል

16 ካሊእ ኣብ ኣዋጅ ቁፅሪ 255 /2007 ዘሎ ነዚ መተግበሪ ዝወፀ መምርሒ ብዝኣዘዞ መሰረት ይፍፀም

17 ቤት ፅሕፈትና 20 መእታዊ ካብ ሕድሕድ ኣይተም ናይ ምዉሳክ ወይ ናይ ምቅናስ መሰሉ ዝተሐለወእዩ

18 ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስረዝ መሰሉ ሕልዉ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብስቁ 0341412505 / 0930547711 / 0914479591

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo