ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ኣክሱም ኣብ በጀት ዓመት 2016 ዓም ካብ ናይ UIDP ብዝተረከበ ፍልፍል በጀት ኣብ ትሕቲ ከተማ ኣክሱም ዝርከባ ናይ UIDP ተጠቀምቲ ኣብያተ ዕዩ መንግስቲ አገልግሎት ዝዉዕል ዝተፋለለየ ዓይነት መሳርሒ ፅሕፈት ከምእዉን ፈርኒቸር ኣቅሑት ብብርኪ ግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ኣክሱም

1 ናይ 2015 ዓም ወይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ኣግባብነት ዘለዎ ፍቃድ ንግዲ ከቅርብ ዝክእል

2 ናይ ናይ 2015 ዓም ወይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይ መታወቂያ ከቅርብ ዝክእል

3 ናይ ግብሪ ከፋላይ ምስክር ወረቀት መለለይ ቁፅሪ ካፈላይነት ግብሪ  /ቲን ናምበር./ ናይ ወርሒ ሰነ 2015 ዓም ሒሳብ ዘወራረድሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

4 ተጫረቲ ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ኣብ ከይዲ ሰራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ከተማ ኣክስም 2ቢሮ ቁፅሪ 06 ምዉሳድ ይከኣል

5 ተጫረቲ ሳዓርቲ ምኮኖም ካብ ዝተገለፀሉ ኣብ 5ተ መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስሩ ዝክእሉ

6 መክበሪ ጨረታ መሰርሒ ፅሕፈት 10000 ቅርሺ ንናይ ኦፊስ ፈርኒቸር እዉን 10000 ቅርሺ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ብስፒኦ ወይድማ ብጥረ ገንዘብ ኮይኑ ተጫረቲ ዝመልእዎ ናይ ነፀላ ዋጋ ጠቅለላ ዋጋን ኣብ ሕድሕድ ዋናን ቅዳሕን ሰነድ መሊኦም ናይ ነጋዳይ ሽም ፊርማ  ማህተምን ብምግባር ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ  ካብ 11/3/2016 ዓም ክሳብ 26/3/2016 ዓም ሰዓት 3:30 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ዕደጋ ፋይናንስ ምምሕዳር ንብረት ከተማ ኣክሱም ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ምእታዉ ዝክእሉ

7 ተጫረቲ ዘትሓዝዎ መከበሪ ጨረታ ናዘይሰዓሪ ሽዑ ንሽዑ ዝልቀቅ ኮይኑ ንዝሳዐሩ ድማ ዉዕሊ ምስ ኣሰሩ ዘትሓዝዎ መከበሪ ጨረታ ዝልቀቀሎም ይኩዉን

8 ተጫረቲ ሰዓርቲ ኣብ ዝኮንሉ እዋን ናይ ዝሰዓርዎ መጠን 10 ሚእታዊ መክበሪ ዉዕሊ ከትሕዙ ዝክእሉ

9 ተጫረቲ  ዝሰዓርዎ ዓይነት ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝኣሰርሉ አብ ዝተዉሃበ ግዜ ገደብ መከበሪ ዉዕሊ ሒዞም ዉዕሊ ክኣስረሉ እንተዘይኪኢሎምከምእዉን ዉዕሊ ኣሲሮም ሙሉእ ብሙሉእ አታዊ እንተዘይገቢሮም ዘትሐዝዎ ዉዕል መከበሪ ተወሪሶም ናብ ካዝና መንግስቲ ኣታዊ ይከዉን

10 ብዝኣሰርዎ መሰረት ንብረት እንተዘይኣቅሪቦም ተጫረቲ በቢመዓልቱ 0.1 ቅፅዓት ከም ዘለዎ ክፈልጡ ይግባእ

11 ብቅፅዓት መሰረት 10 ሚእታዊ እንተበፂሑ ቤት ፅሐፈት ዉዕል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ አዩ

13 ተጫረቲ ዉዕሊ ኣብ ዝኣሰርሉ እዋን ኣብ ዉሽጢ 15 ናይ ስራሕ መዓልቲ ንብረት ብናይ ባዕሎም መጎዓዝያ ናብ ምምሕደር ዞባ ማእከል ግቢ ዉሽጢ ናብ ዝርከብ ንብረት ክፍሊ ቢሮ 08 ኣታዊ ክገብሩ ዝክእሉ

14 እቲ ቤት ፅሐፈት ምስ በጀት ምጥዕዓም ዉዕሊ እንትኣስር 20 ሚእታዊ ምዉሳክ ወይ ምቅናስ መሰል ከምዘለዎ ክፈልጡ ይግባእ

15 ጨረታ ክፍቲ ዝኮነሉ ዕለት ካብ 11/3/2016 ዓም ክሳብ 26/3/2016 ዓም ኣብ ናይ ስራሕ መዓልቲ ኮይኑ ጨረታ ሳንዱቅ ዝዕፀወሉ ዕለት 26/3/2016 ዓም ሰዓት 4:00 ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 26/3/2016 ዓም ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከበሉ ይከዉን
16 ኣብ ዝቀረብ ሰነድ ጨረታ ሽምን ክተማን ናይ ትካልም ማህተም ኣደራሻን ከቀምጡ ይግባእ

17 ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንዝበለፀ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0912005861

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo