ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስ ወረዳ ማእከል ኣድያቦ ንዝተፋለለየ ኣብያተ ፅሕፈት ወረዳ ማእከል ኣድያቦ በጀት ዝክፈል ኣቅሑት መሳርሒ ፅሕፈት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስ ወረዳ ማእከል ኣድያቦ

1 ናይቲ ዘፈር ፈቃድ ንግዲ መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ማለት እዉን ቲን ናምበር ናይ ተወሳኪ አሴት ታክስ ማለት እዉን ቫት ምዝገባ ዝገበርክምሉ መቅረባይነት ዝተመዝገብክምሉ ሰርተፈኬት ዘለኩም ን2016 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ናይ መቅረባይነት ዝተመዝገበ ናይ መቅረባይነት ዝተመዝገብክመሉ ሰርተፈኬት

2 መከበሪ ጨረታ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ 5001 ቅርሺ  ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ከትሕዝ ዝክእል

3 ተጫራቲ ኣሽኒፍካ ተባሂሉ ፋይናንሻል ዉፅኢት ጨረታ ብስሩዕ ካብ ዝተለጠፈሉ ዕለት ጀሚሩ ድሕሪ 3 ናይ ቅሬታ መዓልቲ ዉዕል ክኣስር ዝክእልን ካብ ጠቅላላ ዘሸነፎ ዋጋ 10 ሚእታዊ መከበሪ ዉዕሊ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል

4 ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ተጫረቲ ካብ ዕለት 14/3/2016 ዓም ክሳብ 24/3/2016 ዓም ኣብ ዘሎ ግዘ ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳርን ፋይናንስን ወረዳ ማእካላይ ኣድያቦ ከተማ ዓዲ ሃገራይ እንዳመፁ ዘይምልሰ 100 ቅርሺ እናከፈሉ ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ይክእሉ

5 እቲ ጨረታ 24 /3 /2016 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳርን ፋይናንስን ወረዳ ማእካላይ ኣድያቦ ይክፈት ተጫራቲ ብዘይምርካቦም ሰነድ ጨረታ ንምክፋት ኣይክልከልን

6 ጨረታ ምስተከፈተ ተጫረቲ ኣብ ዘቅርብዎ ናይ መወዳደሪ ሐሳብ ለዉጢ ወይ ምምሕያሽ ምግባርን ካብ ጨረታ ንነብስም ምግላልን ኣይፍቀድን

7 ተጫራታይ ዘሸነፎ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ መፅዓንን መራገፍን ናብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳርን ፋይናንስን ወረዳ ማእካላይ ኣድያቦ ከተማ ዓዲ ሃገራይ መሉእ ብሙሉእ እንተቅርብን ብዝምልከቶ ኣካል ትክክለኛነቱ ተረጋገፂ ናብ ሞዴለ 19 ንብረት ክፍሊ አታዊ እንትክዉንን ክፍሊት ይፍፀም

8 ሰዓራይ ዝፍለጥ ዝተሐተ ዋጋ ዝመልእን ኩሎም ረቆሒ ዘማእከልን ብእስፔስፊኬሽን መሰረት ይከዉን

9 ተጫራቲ ዋጋ እንትመለእ ኣብ ሞንጎ ነፀላ ዋጋን ጠቅላላ ዋጋን ኣፈላላይ ክህልዉ የብሉን አፋላላይ እንትህልዎ ናይ ሐደ ዋጋ ጥራሕ ተቀባልነት ይህልዎ

10 ካብዚ ብተወሳኪ ኣብ ሰነድ ጨረታ ዋጋ እንትምላእ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ የብሉን እንተሃልዎ ድማ ተረጋገፂ ሽምን ፊርማን ክህልዎ አለዎ

11 ተጫረቲ ዝተመለ ሰነድ ጨረታ ቅዳሕ ብምግባር ንበይኑ ዋናን ቅዳሕን ተባሂሉ ኣብ ክልተ ፖስታ ተዓሺጉ ክቀርብ አለዎ

12 ኣብዝ ኮነ ይኩን ኣብ መንግስታዊ ትካል ንከይጫረት ዝተኣገደ ነጋዳይ ኣብዚ ጨረታ ክሳተፍ ኣይክእል

13 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብመሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ   0949440110 / 0943661422

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo