ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሕንጣሎ ዋጅራት ብናይ መደበኛ በጀትን ናይ ቤት ፅሕፈት ማይን መዓድንን ኢነርጅን ናይ ማይ ሲስተም ምዝርጋሕ ኣብ ጣብያ ዓዲ መስኖ ኣጫሪቱ ከስርሕ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሕናጣሎ ዋጅራት

ክትጫረቱ እትደልዩ ደረጃ 6ተን ልዕሊኡን ደረጃ ዘለኩም ክትጫረቱ ንዕድም

ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግባእ ረቀሕታት

  1. ደረጃ 6ተን ልዕሊኡን ኮይኑ ናይ ማይ ሲስተም ምዝርጋሕ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ
  2. ናይ 2008 ዓም ንግዲ ፍቃድ ዘሐደስኩም
  3. ናይ 2008 ዓም ዝተሓደሰ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ከቅርብ ዝክእል
  4. ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለዩ ቁፅሪ ዘለዎ
  5. ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኮንኩምን ወርሓ ሒሳብ መረዳእታ እተቅርቡን
  6. ብቅዓት መረጋገፂ ካብ ቤት ፅሕፈት ማይን መዓድንን ኢነርጅን ካብ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጋዕዝያን ዝተሓደሰ ናየ 2008 ዓም ዘቅርብ
  7. ኩሉ መረዳእታቴክኒካልን ፋይናንሻልን ዋናን ቅዳሕን ነንበይኑ ኣብ ዝሰዓሸገ ፖስታ ከቅርብ ዝክእል
  8. መክበሪ ጨረታ 30,000 ቅርሺ ብባንኪ ብዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይድማÂ ብጥረገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል
  9. እቲ ፕሮጀክት ኣብ ዉሽጢ 2 ወርሒ አጠናቂቁ / ሰሪሑ ዘረክብ
  10. ሰዓራይ ኣካል ጨረታ ካብ ዝሰዓረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 3ተ መዓልትታት ዉዕሊ ክአስር ዝክእል
  11. ሰዓራይ አካል ዝበሃለ ቴክኒካል ሓሊፉ ፋይናንሻል ዝሓትት ዋጋ ዘእትዉ ሰዓራይ ይከዉን
  12. ኣብቲ ዝወፀ ሰነድÂ ጨረታ ወይድማ ስፐስፊኬሽን ስርዝ ድልዝ እንተሃኒዎ ካብ ጨረታ ወፃኢ ይከዉን
  13. ሰነድ ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ወረዳ ሕንጣሎ ዋጅራትÂ 100 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ቁፅሪ 8 ምዉሳድ ትክእሉ
  14. ብተወሳኪ ብመምርሒ ዕደጋ ክልልና ኣዋጅ ቁፅሪ 255/ 2007 ተፈፃሚ ይከዉን
  15. ተጫረቲ ዝመልእዎ ዋጋ 20 መዓልቲ ኣብ ኣየር ዝፀንሕ ክምዝክእል ብፊርምኦም ከረጋግፁ አለዎም
  16. ሳንዱቅ ጨረታ 14 መጋቢት Â 2008 ዓም ሰዓት 3 ፡30ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለትÂ ሰዓት 4 ፡00 ቅድሚ ቀትሪ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት ተጫረቲ ብዘይምርካቦም ከይዲ ጨረታ ኣይተኣጋጎልን
  17. እቲ Â ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪÂ 0344370024 ደዊልኩም ምሕታት ትክእሉ ።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo