ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ እምባስነይቲ ኣበቲ ወረዳ ንዝርከባ ኣብያተ ዕዩ ግልጋሎት ዝዉዕል ሎት ሐደ ኣቅሑት ፈርኒቸር ወይእዉን ናዉቲ ቤት ዕዩ ሎት ክልተ ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ እምባስነይቲ

1 ግብሪ 2015 ዓም ዝከፈለን ናይ 2016 ዓም ፍቃድ ንግዲ ዝሐደሰን መለለይ ቁፅሪ ከፋሊ ግብሪ ዘለዎ ዝተሐደሰ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ዘለዎ ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮነ ናይ ወርሒ መሰከረም 2016 ዓም ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ሒሳብ ዘፍለጠሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

2 መከበሪ ጨረታ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ወይ እዉን ብስፒኦ ንሎት ሐደ 150000/ ሐደ ሚኢተን ሓምሳን ሽሕ/ ቅርሺ ንሎት ክልተ 20000 ቅርሺ / ዒስራ ሽሕ ቅርሺ / ከትሕዝ ዝክእል

3 ንኩሎም ዓይነታት ሰነድ ጨረታ ዘይመለስ 200 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ክፍሊ ቁፅሪ 1 ካብ ዕለት 7/3/2016 ዓም ክሳብ 21/3/2016 ዓም ሰዓት 8:00 ምዉሳድ ይከኣል

4 ሰዓራይ ጨረታ ንዝሰዓሮ ንብረት ምስተገለፀሉ ኣብ ዉሽጢ 3 ናይ ስራሕ መዓልቲታት ዉዕሊ ክኣስር አለዎ

5 ድሕሪ ዉዕሊ ምእሳር እቲ ንበረት ኣብ ዉሽጢ 25 ተከታተልቲ መዓልቲታት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ መራገፍን ብፅሬትን ቴክኒክን ኮሜቴን ምስተረጋገፀ ናብ ናይ ኣብያተ ትምህርትን ጣብያታት ጥዕና መክዝን ጠቅሊሉ ምስኣረከበ ክፍሊት ዝፍፀመሉ ምካኑ እወን ተጫራታይ ክፈልጥ አለዎ

6 ሰዓራይ ተጫራታይ ናይ ዝሰዓሮ ንብረት 10 ሚእታዊ ዉዕሊ መከበሪ ክትሕዝ ዝክእል ምካኑ እዉን ክፈልጥ አለዎ

7 ኣብ ዝርዝር ጨረታ ቅሬተ ኣለኒ ዝብል ተወዳዳሪያ ቅድሚ 3 መዓልቲታት ቅሬቱ ብፅሑፍ ከቅርብ አለዎ

8 ኣብ እዋን ጨረታ ነቲ ጨረታ ዘዛበዕን ከዛብዕ ዝፈተነን ብሕጊ ታሓታቲ ይከዉን

9 ተጫረቲ ዝወዳደርሉ ዓይነት ንብረት ኣብቲ ዝተዳለወ ቅጥዒ ጥራይ ክመልኡን ብዘይ ሻሚ ግልፂ ብዝኮነ ስርዝ ድልዝ ብዘይብሉ ኢሉእዉን ብዘይ ሻሚ ግልፂ ብዝኮነ ክፃሓፍ ከምዘለዎን ንሕብር ምስዚ ብተወሳኪ ንኩሎም ሰነዳት ብሽሚ ዝተዓሸገ ፖስታ ክቀርብ አለዎ

10 ድሕሪ ጨረታ ምክፋቱ ዝኮነ ይኩን ተጫራትይ ካብቲ ጨረታ ዓርሱ ከግልል ኣይክእልን

11 ሳንዱቅ ጨረታ 21/3/2016 ዓም ሰዓት 8:00 ድሕቲ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 8:30 ተጫረቲ ወይ እዉን ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

12 እቲ ቤት ፅሕፈት ጨረታ ምስተከፈተ ከምኣድላይነቱ ዝዕደገ ንብረት መጠን 20 ሚእታዊ ክዉስክ ክንኪን ዝክእል ኮይኑ ዝሸሐ መማረፂ እንተረኪቡ ድማ ነቲ ጨረታ በሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንዝበለፀ ሐበሬታ ድማ 0914043626

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo