ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፈይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ካብ UNDP ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ በጀት ዝክፈል ንዝተፋለለዩ ኣብያተ ፅሕፈት ወረዳና ግልጋሎት ዝዉዕሉ ኣቅሑት ቢሮን ገዛን : መሳርሒ ህንፃን :ኤሌክትሮኒክስን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ

ጨረታ ብሬዲዩ ዝተጋወሐሉ ዕለት : 11/3/2016 ዓም

ጨረታ ዝክፈተሉን / ዝዕፀወሉ ዕለትን : ኣይተገለፀን

1 ቢሮን ገዛን ኣቅሑት : መሳርሒ ህንፃን  :ኤሌክትሮኒክስን ፈቃድ ንግዲ ዘለኩም

2 ናይ 2014 ዓም ግብሪ ዝከፈልኩም ናይ 2015 ዓም ፍቃድ ንግዲ ዘሐደስኩም ወረቀት ምስክረ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዘቅርብ ናይ ወርሒ ነሐሰ 2015 ቫት ድክለሬሽን መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

3 መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ናይ 2015 ዓም ዝተሐደሰ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ክተቅርቡ እትክሉ

4 ኣብ ፖስታ ዝዕሸገ ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ወረቀት ምስክር ተወሳኪ እሴት ታክስ ናይ 2015 ዓም ዝተሐደሰ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ብግልፂ ዝረአ ክከዉን አለዎ

5 ከይዲ ጨረታ ብኣይአገባብ ንምዝባዕ ምፍታን ብሕጊ ዘሐትንን ጨረታ ከይሳተፍ ክሳብ ምእጋድ ስጎምቲ ዘስዕብ ምካኑ ንሕብር

6 ተጫረቲ ዋጋ እንትመልኡ ናይ ሐደ ዋጋ ጠቅላላ ዋጋ አፈላላይ ክህልዉ የብሉን አፈላላይ እነተሃልዩ ድማ ናይ ሐደ ዋጋ ጥራሕ ተቀባልነት ይህልዎ

7 ተጫራቲ ዋጋ እንትመልኡ ስርዝ ድልዝ ወይ ድምሳስ ክህልዉ የብሉን ስርዝ ድልዝ ወይ ድምሳስ እንተጋጥም ፓራፍ ክግበረሉ አለዎ

8 ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ መከበሪ ጨረታ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ 15100 ቅርሺ ከትሕዙ ዝክእሉ

9 ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ተጫራቲ ካብ ዕለት 7/3/2016 ዓም ክሳብ 17/3/2016 ዓም ኣብ ዘሎ ግዘ ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ እናመፃእኩም 50 ቅርሺ ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ትክእሉ

10 ሰዓራይ መቅረባይ ዝፍለጠሉ ብስፔስፊኬሽን መሰረት ኮይኑ ዝተሐተ ዋጋ ካብ ዝመልእ መቅረባይ ይከዉን

11 ተጫራታይ ሰዓራይ ተባሂሉ ፋይናንሽል ዉፅኢቱ ብስሩዕ ካብ ዝፈለጠሉ ዕለት ድሕሪ 3 ናይ ቅሬታ መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስረ ዝክእልን ዉዕሊ ካበ ዝኣሰረሉ ዕለት ድማ ኣብ ዉሽጢ 20 መዓልቲ ሰሪሑ ከረከብ ዝክእልን ካብ ጠቅላላ ዋጋ ዝሰዓሮ 10 ሚእታዊ ዉዕሊ መከበሪ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ድማ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል

12 ሰዓራይ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ወፃኢ ናብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ንብረትን ምምሕዳር ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ቤት ፅሐፈት ቁፅሪ 5 አታዊ ይገብር

13 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙለእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo