ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ከተማ እንዳባጉና ብናይ 2016 ዓም መደበኛ በጀት ዓመት ተጠቂሙ ኣብ ከተማ እናዳባጉናዝረከባ ኣብያተ ፅሐፈት ግልጋሎት ዝዉዕል መሳርሒ ፅሐፈት: ሃለቅቲ ቀወምቲን ንብረት : ኣቅሑት ፅሬት : መሳርሒት ሕትመትን :ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትትን ምምሕዳር ፋይናንስን ከተማ እንዳባጉና

1 በቲ ዘፈር ግብሪ ዝከፈልኩምን ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩምን ቅደሕ ክተቅርቡ እትክእሉን

2 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ዘለኩም ቅደሕ ክተቅርቡ እትክእሉን

3 ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ መቅረባይነት ቅደሕ ክተቅርቡ እትክእሉን

4 ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮንኩምን ቅደሕ ክተቅርቡ እትክእሉን

5 ኣብ ናይ ፅሬት ኣቅሑትን ሕትመተ ስራሕቲ እትወዳደሩ ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ምካንኩም ኣይሓተትን

6 ኣብ መሳርሒ ፅሕፈት ኣብ ቀወምቲን ሃለቅቲን ኣቅሑት ኣብ ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ እተወዳደሩ መቅረብቲ ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታስክ ዝኮንኩም ከሳብ ወርሒ ሐምለ 2015 ዓም ሒሳብ ዘፍለጥቅምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ

7 ናይ ኩሉ ዝተሐተተ ረቆሒ መረዳእታ ቅዳሕ ምስ መጫረቲ ሰነድ ብፓስታ ዓሺግኩም ክተቅርቡ እትክእሉን

8 ዝተማለአ መጫረቲ ሰነድ ዋና ብፖስታ ዓሺግኩም ናብ ዝተዳለወ መቀበሊ ሳንዱቅ ብኣካል አታዊ ክትገብሩ ትክእሉ

9 ናይ ተደልቲ መወዳደሪ ረቆሒ ዋና ኣድላይ ኮይኑ እንተተረኪቡ ኣብ ዝተሐተትክምሉ ግዘ ክተቅርቡ እትክእሉ

10 ተወዳደርቲ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ መክበሪ ጨረታ ቢድ ቦንድ ንመሳርሒ ፅሕፈት ንሃለቅትቲነ ቀወምቲን ኣቅሑት 5000 ቅርሺ ንኣቅሑት ኤልክትሮኒክስ 5000 ቅርሺ ንኣቅሑት ፅሬት 3000 ቅርሺ ንመሳርሒ ሕትመት 3000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብስፒኦ ብምክፋል ክተትሕዙ ትክእሉ

11 ናይ ዝሰርሑ ናይ ሕትመት ኣቀሑት ንኣብነት ማሕተማት ዝበሉ ክምእዉን ኣገልግሎት ፎቶ ኮፒን ፕሪንተረን ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ ቀለማት ኣብ ረብሓ ቅድሚ ምዉዓሎም ንከይይ በላሻዉ መረጋገፂ ዉሕስና ፅሬት ብደብዳቤ ከረጋግፁ ዝክእሉ

12 ዋጋ ጨረታ ፀኑዑ ዝፀንሐሉ ግዘ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን15 ተከታተዕቲ መዓልቲታት ይከዉን

13 ሑፅያት ተወደደርቲ ድሕሪ ምስዓሮም ካብ ዝሰዓርዎ ድምር ዋጋ 10 ሚእታዊ ንመከበሪ ዉዕሊ ከትሕዙ ዝክእሉ

14 ተወዳደሪ ንዝሰዓሮ ንብረት ፅሬት ብዘለዎን ብመስረት ዝርዝር መዓቀኒ ከቅርብ ዝክእልን ዉዕሊ ክኣስረ ዝክእልን ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ተጠቂሙ ናብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕቃባ ንብረትን ምምሕዳር ከተማ እናዳባጉና ቀበሌ 01 ከቅርብ ዝክእል

15 ፈፃሚ ዕደጋ እቲ ቤት ፅሕፈት ካብ ነብሰ ወከፍ ነፃላ ኣቅሓ ክሳብ 20 ሚእታዊ ናይ ምቅናስ ወይድማ ናይ ምዉሳክ መሰል ኣለዎ ናይዚ ዝርዝር ዝሐዘ ሰነድ ጨረታ ዝሽየጠሉ ቦታ ኣበ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕቃባ ንብረትን ምምሕዳር ከተማ እናዳባጉና ቀበሌ 01 ኮይኑ ዘይምለስ 100 ቅርሺ እናከፈልኩም ካብ 10/3/2016 ዓም ክሳብ 19/3/2016 ዓም ኣብ ዘሎ ግዘ እናመፃእኩም ክትወስዱ እትክእል

16 እቲ ጨረታ ኣብ አየር ዝፀንሐሉ ግዘ ካብ 10/3/2016 ዓም ክሳብ 19/3/2016 ዓም ኣብ ዘሎ ግዘ ኮይኑ ልክ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት ይኩን እምበር ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላት ብዘይምቅራቦም ስነ ስርዓት ምክፋት ጨረታ አይተዓናቀፍን ወይ ከይተከፈተ ዝምለስ ሰነድ ጨረታ ኣይህሉን

17 ተወዳደርቲ እትመልእዎ ዋጋ ግልፅን ንፁርን ክክዉን አለዎ ስርዝ ድልዝ እንተሃልዎ ናይ ባዕል ዋና ፊርማ ክህልዎ ይግባእ እንተዘይኮይኑ ካብ ጨረታ ወፃኢ ይኩዉን

15 ኣብ ነብስ ወከፍ መወዳደሪ ሰነዳት ሕጋዊ ዝኮነ ማሕተም ተጫረቲ ወይድማ መቅረብቲ ክዓርፎ አለዎ

16 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉ ወይ ብክፋል ናይ ምስረዝ መሰሉ ዝተሐለወ ንተወሳኪ ሐበሬታ 0914250185

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo