ማእከል ምርምር ሕርሻ መቐለ ኣቅሑት መለዋወጢ እስፔር ፓርት ን2016 ዓም ብስሩዕ በጀት አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ማእኸል ምርምር ሜካናይዜሽን ሕርሻ ኢነርጂ ገፀርን መቐለ

1 ሕጋዊ ፈቃድ ንግዲ ዘለዎ ናይ ዘበን ግብሪ መንግስቲ ዝከፈሉ ንግዲ ፍቃዶም ዝሐደሱ ሒሳብ ዝከፈልሉ መረዳእታ ቁፅሪ ዘለዎም ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገቡ ምካኖም መረዳአታ ዘቅርቡን ናይ ጥቅምቲ 2016 ዓም ናይ ተወሳኪ አሴተ ታክስ ድክሌር ዝገበርሉ መረዳእታ ኣብ ጨረታ ሰነድ ከትሕዙ አለዎም

2 ናይ ጨረታ መከበሪ ቢድ በንድ ብሽም ማእከል ምርምር ሕርሻ መቀለ ዝተሰርሐ ናይ ኣቅሑት መለዋወጠ ስፔር ፓርት 5000 ቅርሺ ስፒኦ ከትሕዙ ዝክእሉ ዋናን ቅዳሕን ናይ ጨረታ ሰነድ ብሽሚ ብዝተዓሸ ፖስታ ከቅርቡ ዝክእሉ

3 ተጫራታይ ናይ ጨረታ ሰነድ 6/3/2016 ዓም ጀሚሩ ኣብ ማእከል ምርምር ሕርሻ መቐለ ቢሮ ቁፅሪ 13 ብምምፃእ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ንሕድሕድ ሰነድ ብምክፋል ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሰነድ ክሳብ 17/3/2016 ዓም ዘሎ ነዚ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቅ ምእታዉ ይክእሉ

4 ኣብ ዝቀረበ ናይ ጨረታ ሰነድ ኣብ ሕድሕድ ሰነድ ፊርማኦምን ማህተምን ናይቲ ትካል ክህልዉ አለዎ

5 እቲ ጨረታ 17/3/2016 ዓም ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 8:30 ተጫረቲ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

6 ጨረታ ሰዓራ ምስተፈለጠ ዉዕሊ መክበሪ ካብ ዝሰዓሮ ጠቅላላ ዋጋ 10 ሚአታዊ ብምትሓዝ ካብ ዝአተወሉ ዉዕሊ እዋን ጀሚሩ ንብረት ኣታዊ ይገብር

7 አቲ ቢሮ ካብቲ ዝተዘርዘረ መጠን ንበረት ክሳብ 25 ሚእታዊ ምዉሳክን ናይ ምቅናስን መሰል አለዎ

8 ተጫራታይ ግልፂ ኣብ ዘይኮነሉ ነጥብታት መብርሂ ወይ መማሐየሺ ሕቶ ከቅርቡ ዝክእሉ

9 ጨረታ ዝክፈተሉ እዋን ቅድሚ ምብፅሑ ይክዉን

10 እቲ ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ኮን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

11 ነቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን በሙለእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

12 ኣብዚ ጨረታ ዝሰዓተ ትካል ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ማእከል ምምርምር ሕርሻ መቀለ መክዚን ኣታዊ ይገብር

ንተወሰኪ ሐበሬታ ኣደራሻ ዒላላ ተፈረ  ስብሓት መናፈሻ ፊት ንፊት ብቁፅሪ ስልኪ 0344408029

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo