ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ሕንጣሎ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዉቅሮ ኣብ 2016 በጀት ዓመት ካብ ባንኪ ዓለም ዝተረከበ ዝተፈላለየ ቀወምቲ ኣቅሑት: ናይ ደገ ምብራህቲ ማላት እዉን ፓዉዛ: ኣቅሑት ኤሌክትሮኒከስ :ናይ ማይ ትቦ : ናይ ደገ ሓፂን ፓሎ ብጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዉቅሮ

1 ተጫረቲ ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ 2016 ዓም ዘለኩም ዝተሐደሰ መቅረባይነት ቅዳሕ ክተትሕዙ እትክእሉ

2 ተጫረቲ መለለይ ከፈልቲ ግብሪ ዘለኩም ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገበቲ ምካንኩም መረዳእታ ቅዳሕ ክተትሕዙ እትክእሉ

3 ተጫረቲ ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ኮይኖም ናይ ወርሒ ነሐሰ 2015 ዓም ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ዘቅርቡ ወይ ፊደራል ኤጀንሲ ዕደጋ ምምሕዳር ንብረትን ኣብ ዘዳለዎም መርባብ ሐበሬታ ዝተመዝገብሉ መረዳአታ ዘቅርቡ

4 ኣብ ሰነድ ጨረታ ናይ ተጫረቲ ንፁር ዝኮነ ሽም ፊርማ ኣድራሻ ሕጋዊ ማህተም ኣብ ነብስ ወከፍ ገፅ ሰነድ ጨረታ ክግበረ አለዎ

5 ዝመልእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉን ካብዚ ሰነድ ጨረታ ወፃኢ አብ ካሊእ ሰነድ መሊእካ ምቅረባ ተቀባለነት የብሉን

6 ብተወሳኪ ድማ ተወዳደርቲ ኣብ ነብሰወከፍ ኣቀሓ ናይ ተወሳኪ እሴት ታስክ ዋጋ ሓዊሱ ብጥንቃቀ ትክክለኛ መቅረቢ ነፃላ ዋጋ ከቅርቡ አለዎም

7 ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ በቢዝምልከቶም ዘፈር ናይ ጨረታ ዉሕስና መከበሪ ጨረታ ብጥረ ገንዘብ ብባንኪ ዝተረጋገፀ መትሓዚ ክፈሊት ቼክ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ዉሕስና ባንኪ ወይ እዉን ብሰፒኦ ብባንክ ዝተረጋገፀ ሌተር ኦፍ ክሬዲትክትሕዙ ይግባእ

8 ንኣቅሑት ኤሌክትሮኒስክ 120000 ንሞተር ሳይክል 15000 ንቀዋሚ ኣቅሑት 15000 ንደገ መብራህቲ ማለት እዉን ፓዉዛ 120000 ንማይ ትቦ 120000 ንደገ ሶላር  130000 ንደገ ሓፂን ፓሎ 135000 ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዉቅሮ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ምምሐዳር ንብረትን ክፈሊ ቁፅሪ 4 ዘይምለስ 300 ቅርሺ ጥራሕ እናከፈልኩም ካብ 5/3/2016 ዓም ክሳብ 17/3/2016 ዓም ሰዓት 3:00 ቅድሚ ቀትሪ ክትወስዱ ትክእሉ

9 እቲ ጨረታ 17/3/2016 ዓም ሰዓት 300 ቅደሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት 3:30 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት ተዘይሃለዉ እዉን ኣብ ዉሽጢ ጨረታ ሳንዱቅ ዝተረከበ ፖስታ ብስርዓት ይክፈት

10 ዝቀርበዎ ዓይነት ንብረት ዝርዝር መግለፂ/ ስፔስፊኬሽን/ ምስ ሰነድጨረታ ተታሒዙ ይርከብ

11 ተጫራቲ ዝሰዓርዎ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝኣሰርሉ ጀሚሩ ኣብቲ ሰነድ ጨረታ ዝተገለፀ ግዜ ማዕልቲታት መሰረት ብናይ ባዕሎም መጎዓዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዉቅሮ ከረክቡ ይክእሉ

12 ሰዓራይ ዝፍለ ብነፀላ ኣቅሕ ምካን ክፍለጥ አለዎ

13 ሰዓራይ ዘቅርቦ ንብረት ዋና ማለት እዉን ኦርጅነል ምካኑ ክፍለጥ አለዎ

14 ተጫረቲ ንዝመለእዋ ሰነድ ጨረታ ዋና ንበይኑ ቅዳሕ ድማ ንበይኑ ኣብ ክልተ ፖስታ ብዝተኣሸገፖስታ ብምምፃእነዚ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ምእታዉ ይከኣል

15 ተጫረቲ ዝሰዓርዎ ንብረት በናይ ባዐሎም መጎዓዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዉቅሮ ከረክቡ ዝክእሉ

16 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረከቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስረዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0922883981

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo