ኮሌጅ ፖሊ ቴክንክ መቀለ ኣብ በጀት ዓመት 2016 ዓም ካብ መንግስቲ ብዝተፈቀደሉ በጀት ዕዳጋ ዝተፈላለዩ ንብረታት ማለት እዉን ሐደ መሳርሒ ፅሕፈት ክልተ መሳርሒ ህንፃ ሰለስተ አቅሑት ኤሌክትሪክ 4 ኤሌክትሮኒክስ ሓሙሽተ መለዋወጢ አቅሑት መኪና ማለት እዉን ስፔር ፓርት ሽድሽተ መሳርሒ ፅሬት ብብርኪ ክልል ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ኮሌጅ ፖሊቴክኒክ መቐለ

1 ናይ ዘበኑ ዝተሐደሰ በቲ ዘፈር ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ክተቅርቡ እትክእሉ

2 ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩምን ናይ ወርሒ መስከረም 2016 ዓም ሒሳብ ዘፍለጥክምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ

3 ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ዘለኩም 2 ሚእታዊ ዊዝ ሆልዲን ታክስ ክትከፍሉ እትክእሉ

4 ነጪ ጨረታ ተባሂሉ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ዘይምለስ 300 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ኮለጅ ፖሊ ቴክኒክ መቀለ መሰረተ ካምፓስ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቁፅሪ ክፍሎ 08 ካብ 30/2/2016 ዓም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 20 /3/2016 ዓም ሰዓት 11:00 ሰነድ ጨረታ ብምዉሳድ ኣብ መወዳደሪ ሰነዳት ዋናን ቅዳሕን ብምባል ብሽም ብዝተዓሸገ ፖስታ ነዚ ጨረታ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ምእታዉ ትክእሉ

5 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መከበሪ ዋጋ መሳርሒ ፅሕፈት ሎት ሐደ 3500 ቅርሺ መሳርሒ ህንፃ ሎት ክልተ 15000 ቅርሺ ኣቅሑት ኤሌክትሪክ ሎት ሰለሰተ 3500 ቅርሺ አቅሑት ኤሌክትሮኒክስ ሎት ኣርባዕተ  2000 ቅርሺ ኣቅሑት መላዋወጢ መኪና ሎት ሓሙሽተ ዓሰርተ ሽሕ ቅርሺ መሳርሒ ፅሬት ሎት ሽድሽተ 2000 ቅርሺ መከበሪ ጨረታ  ብስፒኦ ወይድማ ብጥረ ገንዝብ ኢሉዉን ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ክተትሕዙ ትክእሉ

6 ዝርዝር ንብረት ካብ ሰነድ ጨረታ ምርኣይ ዝከኣል ምካኑ ንሕብር

7 ተጫረቲ ተቅርብዎ መወዳደሪ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ክከዉን አለዎ ስርዝ ድልዝ ዘለዎ ተቀባልነት የብሉን

8 ተጫረቲ ንፎቶ ኮፒ ን ፕሪንተርን እተቅርብዎ ቀለም ናይ ደገን ናይ ዉሽጢን ሲሪያል ናምበር ዘለዎ ኦርጅናል ኮይኑ ንሽድሽተ ወርሒ ዉሕስና ክትህቡ እትክእሉ ምካንኩም ክተፈልጡ አለኩም

9 እቲ ጨረታ ዕለት 21/3/2016 ዓም ልክዕ ሰዓት 3:00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ንሱ 3:30 ኣብ ኮሌጅ ፖሊ ቴክኒክ መቀለ መሰረከ ካምፓስ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቁፅሪ ክፍሊ 08 ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከበሉ ይክፈት ተጫረቲ ብዛይ ምርካቦም ጨረታ ምክፋት ኣይተኣጎጎልን

10 እቲ ኮሌጅ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙለእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ አዩ

11 እቲ ጨረታ ምስተከፈተ ናይቲ ዝግዛእ ንብረት መጠን ክሳብ 20 መእታዊ ክቅንስ ወይድማ ክዉስክ ይክእል እዩ

12 ተወዳደርቲ ተቅርብዎ ንብረት ብፅሬት ኮሜቲ ቴክንክ ተፈቲሺ ትክክለኛነቱ ምስተረጋገፀ ጥራሕ አታዊ ይከዉን

13 ድሕሪ ዉዕሊ ምእስራ ዝሰዓርክምዎ ንብረት ናብ ኮሌጅ ፖሊ ቴክኒክ መቀለ ብናይ ባዕልኩም መጎዓዝያ ክተቅርቡ እትክእሉ

ንዝበለፀ ሐበሬታ  ብቁፅሪ ስልኪ 0344404592

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo