ኣብ 2008 በጀት ዓመት ግልጋሎት ዝዉዕል ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ናዉቲ ክዕድግ ይደሊ

ማእኸል መሰልጠኒ ጉድኣት አካል መቐለ
  • ናይ ህንፃ መሳርሒ ወይድማ ስራሕቲ ቆርበት
  • ናይ ስነ ፅባቐን ፅሬትን
  • ናይ ቅድን ስፌትን
  • ናይ ፅሕፈት መሳርሒን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደሊ ንተወዳደረቲ ይዕድም

ኣብቲ ዉድድር ክትሳተፉ ትደልዩ

  1. ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝኸፈሉ ንግዲ ፍቃድ ዘሐደስኩምን ዋናን ቅዳሕን መረዳእታ ዘቕርብ::
  2. አብ ተወሳኺ እሴት ታክሲ /ቫት/ ዝተመዝገበ መኮኑ ክሳብ ጥሪ 30 /2008 ዓ/ም ምኽፍል ዘረጋግፅ ዴክሌሬሽን መረዳእታ ዋናን ቅዳሕን ከቕርብ ዝኽእል::
  3. ግብሪ ከፋሊ ምዃኑ ናይ ግብሪ ከፋሊነት መለለይ ቁፅሪ/ ቲን ናምበር / መረዳእታ ከቕረብ ዝኽእል::
  4. ጨረታ ቅድሚ ምኽፋቱ ናይ ጨረታ መኽበሪብር 3000.00 ብጥረ ገንዘብÂ ወይድማ ካብ ኢትዩያ ንግድ ባንከ ኣፍለጦ ዝተወሃቦ ባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ኣቐዲሙ ከትሕዝ ዝክእል::
  5. ተጫረቲ ሰዓርቲ ምኮኖም ምስ ተነገሮም አብ ዉሽጢ 5 ተ መዓልቲ ዉዕሊ ክትአስሩ እትክእሉን ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት/ መጎዓዝያ /ናብ ማእ መሰ ጉድኣት ኣካል ከቕርብ ዝኽእል:
  6. ጨረታስዒሩ ዉዕሊ ክትአስሩ ፈቓደኛታት ተዘይኾንኩም መቕረብቲ ንጨረታ መኽበሪ ዘተሐዝክምዎ ገንዘብ ናብ ትካልና አታዊ ዝግበር ምኮኑ ንገልፅ::
  7. ተጫረቲ አብ ናይ መቕረብቲ ዝርዝር ዝተመዝገቡ ምኮኖም ዘረጋግፅ ወረቐት ምስክር ከቕርብ ዝክእል::
  8. ተጫረቲ ዝተዳለወ ሰነድ አብ ማእኸል መሰልጠኒ ጉድኣት አካል መቐለ ንብረት ዕዳጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ብምቕራብ ንሕድሕድ ሰነድ ብር 20.00 ከፊሎም ምስ ወሰዱ ዝጫረትሉ ዋጋ መሊኦም ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ /ፖስታ /እዚ ምልክታ ካብ ዘወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ናብ ዘተዳለወ ሳንዱቅ ምእታዉ ይኽእሉ::
  9. ተጫረቲ መወዳደሪኹም ካብ 29/06/08 - 19/07/2008 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ቅ/ሰዓት ናብ ማእ/መሰ/ጉድ/አካል ክትቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም::
  10. ጨረታ ዝኽፈተሉ ዕለት 19/ 07 /2008 ሰዓት 3:00 ቅ/ሰዓት ተዓፅዩ ሰዓት 3:30 ቅ /ሰዓት ተጫረቲ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረኽብሉ ይኽፈት::
  11. እዚ መሰልጠኒ ማእኽል ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉዉ እዩ
  12. ተጫረቲ ምስዓሮም ምስተነገሮም ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ መፅኢኦም ዉዕሊ ክኣስሩ እንትክእሉ ካብ ዝሰዓርዎ ጠቅላላ ዋጋ 10% ዉዕሊ መክበሪ ከትሕዙ እንትክእሉን ዉዕሊ ክኣስሩ ፍቃደኛታት እንተዘይኮይኖም መቅረብቲ ንጨረታ መክበሪ ዘትሐዝዎ ገንዘብ ናብቲ ትካል ኣታዊ ይግበር
  13. ተጫረቲ ስዓረቲ ምኻኖም ምስ ተነገሮም ንዘቕርበዎ ንብረት መርአይ ከቕርቡ አለዎም::
  14. ጨረታ ዝኽፈተሉ አብ ቑፅሪ 10 ተ ዝተጠቀሰ ከምዘሎ ኮይኑ ተጫረቲ /ሕጋዊ ወኪል/ ብእዋኑ ከቕርቡ ብዘይ ምክአሎም ሰዓት ዝተወሐሉን ዘይተከፈተ ዝተርፍ ፖስታ ዘየለ ምካኑ ኩሎም ተወዳደረቲ ከትፈልጡ ይግባእ::
  15. ተጫረቲ ንዝሰዓርዎ ንብረት ብእዋኑ ተዘይ አቕሪቦም ናይ ዝዘንግዐሉ መዓልቲ ካብ ዝሰዓርዎ ገንዘብ በቢ መዓልቲ 1/1000(0.001) ዝቕፅዑ ምካኖም ::
  16. እዚ መሰ/ኣካል ወይከዓ ትካልና ከም ኩነታቱ ክሳብ 20 % ክዉስክን ክቕንስን ይኽእል እዩ ::
  • ንተወሳኪ ሓበሬታ

ብስልኪ ቁፅሪ 0914780376 /0914734567 /0914749629 ደዊልካ ብኣካል ብምምፃእ ምሕታት ይከኣል እዩ::

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo