ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ትልምን ፋይናንስ ወረዳ እንደርታ ኣብ በጀት ዓመት 2016 ዓም ንኣብያተ ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕል መሳርሒ ፅሕፈት :ኣቅሑት ፅሬትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ እንደርታ

1 በዚ ዘፈር ፈቃድ ንግዲ ናይ 2016 ዓም ፍቃድ ንግዲ ዝተሐደሰን ግብሪ ዝከፈለን ክክዉን አለዎ

2 ናይ 2016 ዓም ምስክር ወረቀት መቅረባይነት ከቅርብ ዝክእል

3 ናይ ቫት ተመዝገብቲ ናይ ወርሒ መስከረም ሒሳብ ዘቅረብሉ መረዳእታ ከቅርበ ዝክእል

4 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይንት ግብሪ ከቅርብ ዝክእል

5 በዚ ዘፈር ፍቃድ ንግዲ ዘለዎም እቲ ሰነድ ጨረታ በቢዘፈሩ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ምምሕዳር ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 4 ምዉሳድ ይከኣል

6 ተጫረቲ ኣብ ኩሉ ዝቀረበ ዕድጊት ጨረታ መክበሪ ስፒኦ 5000 ቅርሺ ብጥረ ገንዝበ ዉይድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ከትሕዝ ፍቃድኛ ዝኮነ

7 ጨረታ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 29/2/2016 ዓም ሰነድ ጨረታ ኣብ ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ጨንፈር ኩሓ ቢሮ ቁፅሪ 4 ምዉሳድ ዝከኣል ኮይኑ ዕለት 6 ሕዳር 2016 ዓም ሰዓት 4:00 ጨረታ ተዓሺጉ ብተመሳሳሊ ዕለት 6 ሕዳር 2016 ዓም እቲ ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክበሉ ይክፈት

8 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰንድ ዋና ኣብ ሐደ ፖስታ ቅዳሕን አብ ሐደ ፖስታ ነንብይኑ ብምዕሻግ ኣብ ሐደ ዓብይ ፖስታ ብምጥቅላል ናብቲ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንድቅ ይእትዉ

9 ናይ ጨረታ ሙለእ ኣድራሸ ማሕተምን ፊርማ ክህልዎ አለዎ

10 ብተወሳኪ ድማ ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ዋና ምስ ቅዳሕ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ የብሉን እዚ ንዝገበረ ተጫረቲ እቲ ጨረታ ተቀባልነተ የብሉን

11 እቲ ፖስታ ኣብ ላዕሊ ብማርከር ዝተገዝ ሰነድ ክፃሐፈሉ ክክእል አለዎ

12 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙለእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

12 ቤት ፅሕፈትና 20 ሚእታዊ ናይ ምቅናስ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንትወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0342400403

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo