ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ብናይ መደበኛ በጀት ካብዚ ንታሕቲ ዝተገለፁ ናይ መኪና ኣቀሑት ጎማን ባትሪን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ

ናይ ጨረታ ካብኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ቢሮ ቁፅሪ 09 ጨረታ ሰነድ ብምዕዳግ ትጫረቱ ክምትክእሉ ነፍልጥ

01 ብተዛማዲ ስራሕ ዝትሃደሰ ንግዲ ፈቓድ ዘለዎ ኮፒ ከቕርብ ዝኽእልን አብ ናይ መቅረባይ ዝተመዝገበን ግብሪ ምኽፋሉ ምስክር ወረቀት ኮፒ ከቕርብ ዝክእል::

02 ናይ ጨረታ መትሓዚ ብር 150000 /ዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕ ሽሕ/ ብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ  ስፒኦ ወይም ድማ ብጥረ ገንዘብን ከትሕዙ ዝክእሉ

03 ተጫረቲ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክሲ ተመዝገብትን ናይ ነሐሰ መስከረም 2016 ዓ/ም ዲክለር ዝገበርኩም መረዳእታ ፎቶ ኮፒ ከቕርቡ አለዎም::

04 እቲ ጨረታ ብክልተ ኢንቨሎፕ ተዓሺጉ ኸቅርብ ዘለዎ እንትኸዉን ዋንኡ ኦርጅናል ምስ ኮፒ ሰነድ ናይቲ ቴክኒክን ምስ ኮፒ ሰነድ ናይቲ ትካል በዓል ስለጣን ፊርማን ማሕተምን ክህልዎ ይግባእ ናይ ንግዲ ፈቃድ ቲን ዝተመዝገበሉ ቃለ መሓላ ናይ አቀራባይ ምዝገባ ወረቐት CPO ወዘተ ዘድሊ ሰነድ ብኦርጅናልን ዶክመንትን ከተሓሕዝ አለዎ

05 ሰነድ እቲ ጨረታ ኣብ ቢሮ ቑፅሪ 09 ዘይምለስ 50 ብር ከፊሎም ብምዉሳድ ኣብ ዝተዳለወ ሳፁን ምእታዉ ይከአሉ ከምኡ ዉን ተጫረቲ ብዘቅርብዎ ናይ መወዳደሪ ሓሳብ ሽሞም ፈርማን አድራሻን ክገልፁ አለዎም

06 ተጫረቲ አብ ጨረታ ሰነድ መብረሂ ወይም ምምሕያሽ ሕቶ እንተሃሊዎም ቅድሚ ካብ ዝተወሰነ ግዜ ገደብ ብስልኪ ቑፅሪ 0344402801 ክሓቱ ይክአሉ::

07 ጨረታ አብ አየር ዝፀንሐሉ ካብ ዕለት 30/ 02 /2016 ዓ/ም እስካብ 10/ 03 /2016 ዓ/ም ኮይኑ ዕለት 10/ 03 /2016 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ አብዚ ዝተጠቀሰ ዕለት ተጫረቲ ወይም ድማ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረከብሉ አብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ቢሮ ቑፅሪ 09 ይኸፈት ይኹን እምበር ተጫረቲ ጨረታ ኣብ ዝክፈተሉ ጊዜ እንተዘይተረኪቦም እቲ ጨረታ ካብ ምክፋት አይትኣጎጎልን::

08 ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ዝሐሸ አማራፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብከፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo