ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ቦራ ቸለና ንኣብያተ ዕዩ ግልጋሎት ዝዉዕሉ መሳርሒ ፅሕፈት ኣቅሑ ፡ መሳርሒ ፅሬትን ብመደባኛ በጀት ብግልፂ ጨረታ አወደዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ቦራ ቸለና

1 በቲ ዘፈር ዝተመዝገበ ኮይኑ ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎ

2 ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ከቅርብ ዝክእል

3 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ከቅርብ ዝክእል

4 ኣብ መሳርሒ ፅሕፈት ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮነ ናይ ወርሒ በ2016 ዓም ሒሳብ ዘፍለጠሉ መረዳአታ ከቅርብ ዝክእል

5 መከበሪ ጨረታ ንመሳርሒ ፅሕፈት 7000 ቅርሺ ኣቀሑት ፅሬት ድማ 3000 ቅርሺ ክትሕዝ ዝክእል

6 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ንነብሰወከፍ ዘይምለስ 100 ቅርሺ እናከፈሉ እዚ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ዕለት ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ጥራይ ካብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ምምሕዳርን ንበረትን ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ይክእሉ

7 ሰዓራይ ዝኮነ ተጫራታይ ዝሰዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዓዚ ናብ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ቦራ ቸለና ከቅርብ አለዎ

8 ጨረታ ኣብ አየር ዝፀንሐሉ እዋን ንተካታተልቲ 15 መዓልቲ ካብ 27/2/2016 ዓም ክሳብ 12/3/2016 ዓም ኣብ አየር ይፅንሕ

9 ሳንዱቅ ጨረታ ካብ ዝዕፀወሉ ዕለት ድማ 12/3/2016 ዓም ሰዓት 4፡00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ስዓት 4፡30 ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከበሉ ይክፈት

10 እቲ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ቦራ ቸለና ምዉሳድ ይክእሉ

11 እቲ ሰነድ ጨረታ ዋናን ቅዳሕን ብዝተዓሸገ ፖስታ ብምግባር ሐደ ዋናን ሐደ ቅዳሕን ብመፍለይ ብምግባር ክሳብ 12/3/2016 ዓም ሰዓት 4፡00 ኣብ ሳንዱቅ ጨረታ ከእትዉ ይክእሉ

12 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብክፋል ኮነ በሙለእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ ድማ ብቁፅሪ ስልኪ 0914000898 0948529228

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo