ኮምሽን ፖሊስ ክልል ትግራይ ናይ 2016 ዓም በጀት ዓመት መሳርሒ ፅሕፈት:ንኣቅሑት ፅሬት ንመለዋወጠ : ኣቅሑት መኪና ካብ ሕጋዊያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ትግራይ

1 ተወሳኪ እሴት ታክስ ወይድማ ቫት ተመዝገባቢ ዝኮነ ናይ ወርሒ መስከረም 2016 ዓም ቫተ ዲክሊር ዝገበረሉ አተሓሒዙ ዘቅርብ

2 ናይ 2015 / 2016 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ኣታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል

3 ናይ 2015 / 2016 ዓም ዝተሐደሰ መቅረባይነት ፍቃድ ዘለዎን ኣታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል

4 ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቁፅሪ ወይ ቲን ናምበር ዘለዎን ኣታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል

5 መከበሪ ጨረታ ንፅሕፈት መሳርሒ 10000 ቅርሺ ንኣቅሑት ፅሬት 4000 ንመለዋወጢ ኣቅሑት መኪና 25000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብስፒኦ ምሰ ናይ ጨረታ ደኩመንት ዝተዓሸገ ፖስታ ኣታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል

6 ተወዳደርቲ ንዝሰዓሩዎ ንብረት ኣብ ዉሽጢ ሰለሰተ መዓልቲ ዉዕሊ ኣሲሮም ኣብ ዉሽጢ 15 መዓልቲ ብናይ ባዕሎሞ ሞጎዓዝያ ናብ ፖሊስ ኮምሽን ትግራይ ከቅርቡ ዝክእል

7 ተወዳደርቲ ሰነድ ጨረታ 100 ብምክፋል ኣብ ዝመልእዎ ሰነድ ጨረታ ማህተምን ፊርማን ሙሉእ ኣድራሻ እና ቁፅሪ ስልኪ ክገልፁ ዝክእሉ ካብ 27/2/2016 ዓም ክሳብ 12 ሕዳር 2016 ዓም ሰዓት 400 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ዘሎ ግዘ ኣብ ቤት ፅሕፈትና ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ዝተዓሸገ ፖስታ ዋናን ቅዳሕን ብምፋል ምእታዉ ይክእሉ ኣብቲ ዕለት ቅድም ቀትሪ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዎ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

8 ኣብ ናይ መቅረቢ ዋጋ ዝተመለአ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ 30 መዓልቲ ይከዉን ተወሳኪ እዉን ተወዳደርቲ ንሕድሕድ ንብረት ዝመልእዎ ዋጋ ቫት ሓዊሶም ዝዉዳደሩ ምካኖም እናፍለጥና ቫት የወስክ የቀንስ ሓሳብ ወይ መብርሂ ግን ተቀባልነት ዘይብሉ ምካኑ ንሕብር

9 ጨረታ ሰዓራይ ዉዕሊ እንትኣስር ዉዕሊ መከብሪ 10 ሚእታዊ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብስፒኦ ክትሕዝ ዝክእል

10 ቤት ፅሕፈት ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ መቐለ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ ሕልዉ ኮይኑ ተወሳኪ እዉን 20 ሚእታዊ ናይ ምዉሳክን ምቅናስን መሰለ ዘለዎ ኮይኑ ተወዳደርቲ መምሊኢ ዋጋ ካብ ፖሊስ ኮምሽን ትግራይ መቀለ ዝወሰድዎ ሰነድ ጨረታ ጥራሕ ክከዉን አለዎ

11 ንዝበለፀ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344406577 ወይድማ ቢሮ ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ቁጽሪ 208 ምሕታት ይክእሉ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo