ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ናዉቲ ኤሌክትሪኒክስን : መሳርሒ ፅሕፈትን ብግልፂ ጨረታ አወዳደሩ ክዕድግ ይደሊ

ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ

1 ናይ 2015 / 2016 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘቅርቡ ወረቀት መቅረባነት ዘለዎም መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ዘለዎም ናይ ወርሒ ሰን 2015 ዓም ሒሳብ ዘቀረብሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

2 ሰነድ ጨረታ ዝሽየጠሉ ቦታን እዋንን ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዳይሬክቶሪት ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 12 እንተከዉን ዋጋ መሸጣ ሰነድ ጨረታ ንነብሰወከፍ ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይከኣል

3 ሰነድ ጨረታ ዝሽየጠሉ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ 27/2/2016 ዓም ጀሚሩ ክሳብ 6/3/2016 ዓም ኩሉ ግዘ ኣብ ስራሕ ሰዓት ይከዉን

4 ተጫረቲ ናይ ባዕል ዋና ማህተም ዘለዎ ንኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ እትወዳደሩ ፋይናንሻልን ቴክኒካልን ዋና ቅዳሕን ከምእዉን ንመሳርሒ ፅሕፈት ዝወዳደሩ ፋይናንሻል ሰነድ ዋናን ቅድሕን ክሳብ 6/3/2016 ዓም 8:30 ኣብ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዳይሬክቶሪት ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 12 ኣብ ዘተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ምእታዉ ይክእሉ

5 እቲ ጨረታ 6/3/2016 ዓም 8:45 ተዓሺጉ በቲ ዕለት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክበሉ ሰዓት 9:00 ይክፈት

6 መከበሪ ጨረታ ንኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ 150,000 ቅርሺ ንመሳርሒ ፅሕፈት 15000 ቅርሺ ብስፒኦ ከቅርቡ ይግባእ

7 ተጫረታይ ጨረታ ሰዓራይ ምካኑ ብደብዳቤ ኣብ ዝተገለፀሉ ኣብ ዉሸጢ 5 መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር ይግባእ

8 ሰዓራይ ጨረታ ዝሰዓሮ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀመሩ ንኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ ኣብ 45 ተከታተልቲ መዓልቲታት ንምሳርሒ ፅሕፈት ኣብ 15 ተከታተልቲ መዓልቲታት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ካልኦት ወፃኢታትን ሓዊሲ ናብ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ  ንብረት ክፍሊ ከረከብ አለዎ

9 ዝኮነ ተጫራታይ ብዝዓብ እቲ ጨረታ መብራርሂ ዘድለዩ እንተኮይኑ ብፅሑፍ ጥራሕ ምሕታት ይከኣል

10 እቲ ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ኮነ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0344403477 / 0344408299

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo