ኣብ ቤት መዘጋጃ ከተማ ኣክሱም ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ዝተወዳደ መሰረት ልምዓት ኣብ በጀት ዓመት 2016 ዓም ስራሕቲ ጣብያ ንግስቲ ሰባ ፍሉይ ሽሙ ከባቢ ጳጉሜን መናፈሻ ተፈሳስ ንምስራሕ ደራጃ 8 RC/GC ብርኪ ፍቃድ ናይ ንእሽተይ ትካላት ዘለዎ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ብናይ ኮንስተራክሽን ብዉልቀ ወይድማ ብማሕበር ድኣንትን ዝተወደቡ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ

ቤት መዘጋጃ ኣክሱም

1 ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ወረቀት ምስክር ምዝገባ ንግዲ ከምእዉን ፍቃድ ስራሕ ንግዲ ምዝገባ ከፋላይ ግብሪ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ምዝገባ ወረቀት ተወሳኪ እሴት ታክስ ናይ ዝሐለፈ ወርሒ ሒሳብ ዘቅርብሉ መረዳእታ ከቅርብ ይግባእ

2 ዝተሐደሰ ናይ 2012 /2013 /2016 ዓም ናይ ኮንስትራሽን ተኮናተራይነት ምዝጋባ ካርዲ ብቤት ፅሕፈት ቁጠባ ዝተዉሃበ ብርኪ ትካል ምስክር ወረቀት ዝሐደሱ

3 መከበሪ ጨረታ 10000 ካብዞም ዝስሽቡ ብሐዲኡ መልክዕ ዝቀርብ ኮይኑ ካብ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዩጰያ ዝተፈቀደሎም ባንኪታት ወይ ፋይናንሻል ትካላት ዝዉሃብ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ዉሕስና ባንኪታት ወይ ፋይናንኛል ትካላት ብዝረጋገፆ ቼክ ኦፍ ክሬዲት ከቅርቡ አለዎም

4 ተጫረቲ ናይቲ ዝጨረትሉ ተፋሰስ ስራሕቲ ሳይት ካብ ዝተረከበሉ ዕለት ጅሚሩ ኣብ ዉሽጢ 130 ተከታተልቲ መዓልቲታት ሙሉእ ብሙሉዝ ዛዚሞም ከረከብ ዝክእሉ

5 ተጫረቲ ብቤት መዘጋጀ ከተማ ኣክሱም ከይዲ ስራሕ ዘተወደደ መሰረተ ልምዓት ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ 26 ጥቅምቲ 2016 ዓም ጀሚሩ ቤት መዘጋጀ ከተማ ኣክሱም ከይዲ ስራሕ ዝርከብ ዘተወደደ መሰረተ ካልኣይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 17 ምዉሳድ ይክእሉ እዩም

6 ተጫረቲ ዝመልእዎ ዋጋ ሰነድ ጨረታ ብሐደ ዋና ሙሉእ ሰነድ ብክልተ ቅዳሕን መረዳእታ ከቅርቡ ይግባእ

7 ዝርዝር ስራሕ ስእሊ ዲዛይን መከበሪ ጨረታ ብቤት ፅሕፈት ልምዓት ቁጠባ ዝተዉሃበ ብርኪ ትካልምስክር ወረቀት ወረቀት ስክር ምዝገባ ንግዲ ፍቃድ ስራሕ ንግዲን ናይ ኮንስትራክሽን ወይድም ተኮናታራይነት ምዝገባ ካርዲን ወረቀት ምስክር ምዝገባ ከፋላይ ግብሪ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ምዝገባ ወረቀት ተወሳኪ እሴት ታክስን ናይ ዝሐለፈ ወርሒ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ድክላሬሽንን ሰነደታ ኣብ ዝተፋላለየ ፖስታታት ምስ ዓሸጉ ኩሎም ፖስታታት ኣብ ካሊእ ዓብይ ፖስታ መሊሶም ብምዕሻግ ናይቲ ዝጫረትሉ ፕሮጀከት ሽም ኣብ ልዕሊ እቲ ዓብይ ፖስታ ብዝረአ ቀለም ብምፃሓፍ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ካልኣይ ደብሪ ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 17 ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ክሰብ 19 ሕዳር 2016 ዓም ሰዓት 3:00 ቅድሚ ቀትሪ ብኣካል ብምምፃእ ክእትዉ አለዎም

8 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ብዉነ ተረዲኦም ዋጋ ብምምላእ ፈሪሞምን ማሕተም ብምዕራፍ እቲ ሰነድ ጨረታ ከምቲ ክሽየጥ እንተሎ ዝነበረ ከየኣጎደሉ ከቅርቡ አለዎም

9 እቲ ጨረታ ኩሎም ተጫረቲ ኣብ ዝተረከብሉ 19 ሕዳር 2016 ዓም ሰዓት 3:00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሰሊ ዕለት ሰዓት 3:30 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ቤት መዘጋጃ ከተማ ኣክሱም ከይዲ ስራሕ ዝተዋደደ መሰረተ ልምዓት ካልኣይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 17 እቲ ጨረታ ይክፈት

10 እቲ ቤት ፅሕፈት ወይ እዉን ከይዲ ስራሕ ዝሐሸ መማረጺ እነተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

0905000844   ወይ  0901298707

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo