መቐለ ቤት ህንፀት ንሰራሕተኛታትን ንሕጊ ተሃነፅቲን ን2016 ዓም በዓል 45 ሰብ ትሕዝ ኣዉቶብስ መኪና ሰርቪስ ንምሃብ ምስ ሕጋዊያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ዉዕሊ ክኣስር ይደሊ

ማእኸል ቤት ህንፀትመቐለ

1 ኣብዚ ጨረታ ዝወዳደሩ ተወዳደርቲ ብናይ መጎዓዓዚ ትራንስፖርት ኣዉቶብስ ናይ 2015 /2016 ዓም ዝተሐደሰ ስራሕ ፍቃድን ናይ ግብሪ ከፋላይነት ቲን መፍለይ ቁፅሪ ዘለዎን ናይ መቅረባይነት ዝተመዝገብሉ ኮፒን ከቅርብ ዝክእል

2 ኣብዚ ጨረታ ዝወዳደሩ ተወዳደርቲ ቫት ተመዝገብቲ ከይኖም ዝመልእዎ ወጋ ምስ ቫቱ ተመሊኡ ስልር ድልዝ ዘይብሉ ናይ ተጫረቲ ንፁር ኣድራሻ ብምጥቃስ ማህተምን ፊርማን ብምግባር ኣብቲ ናይ ቤት ፅሕፈት ሰነድ ጨረታ ወጋ መምልኢ ጥራሕ ተመሊኡ ብፖስታ ብምዕሻግ ነዚ ጨረታ እዚ ተባሂሉ አብ ዝተዳለወ ሳፁን ኣብ ደ/ከ/ሰ/ዕ/ፋ/ን/ም/ን ቢሮ ቁፅሪ 6 ከእትዉ ይክእሉ

3 ተጫረቲ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ መክበሪ ጨረታ 10000 ብር ብሕጋዊ ባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ወይ ጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ኣለዎም

4 ጨረታ ሰዓራይ ሰዓራይነቱ ካብ ዝተረጋገፀሉ መዓልቲ ድሐሪ 3ተ ናይ ጥረዓን መዓልቲ ኣብ ዉሽጢ 3ተ መዓልቲ መፂኡ ዉዕል ከኣስረ አለዎ በቲ ዝተጠቀሰ መዓልቲ ዉዕሊ እነተዘይኣሲሩ ዘትሓዚ መከበሪ ጨረታ ናብ ናይ መንግሰቲ ካዝና ኣተዊ ተገይሩ እቲ ቢሮ ካልእ መማረፂ ክወስድ ይክእለ እዩ ተጫራታይ ዝመልኦ ዋጋ ኣብ ዝኮነ እዋን ክልወጥ ኣይክእልን

5 ተጫረቲ ዝርርዝ ሰነድ ጨረታ ዝገልፅ ካብ ዕለት 23/02/2016 ዓም ክሳብ 09/03/2016 ዓም ሰዓት 300 ዘይምለስ 100 በር እናከፈሉ ካብ ቢሮ ቁፅሪ 6ተ ክወስዱ ይክእሉ እቲ ጨረታ ዕለት 9/3/2016 ዓም ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ ሰዓት 4:00 ቅድሚ ሰዓት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይኩን ኣበ ዘይተረከብሉ ይክፈት

6 ድሐሪ ናይ ጨረታ ሳፁን ምፃዉ ዝመፅእ ፖስታ ይኩን ሓሳብ ተቀባልነት የብሉን ብተወሳኪ ንዝወፀ እስፔስፊክን ኣማሊኡ ዘይተረከበ ተወዳደሪ ካብ ዉድድር ዉድቂ ከምዝግበር ክፍለጥ አለዎ

7 ሰዓሪ ዝኮነ ተወዳዳሪ መከበሪ ዉዕሊ 10000 ዘትሕዝ ኮይኑ ንዝቅረበ ግልጋሎት ሰርቪስ ዝክፈሎ ገንዘብ ልዐሊ 10000 ብር እንተኮይኑ 2 ሚእታዊ ዊዝ ሆልድ ታክስ ይክፋል

8 ናይዚ ጨረታ ኣሽናፊ ዝኮኑ ኣካል ብዛዕባ ሰርቪስ ኣወሃህባ ዝምልከት ካብ ዉዕሊ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ እቲ መስራቤት መኪና ኣብ ዘድልየሉ እዋን ጥራሕ ዘገልግል ኮይኑ እቲ ዝህቦ ግልጋሎት ድማ ኣብ መቐለ ከተማ ካብ ንጉሆ ሰዓት 12:00 ጀሚሩ ክሳብ ምሸት ሰዓት ሐደ ንሰራሕተኛታት ሰርቪስ ምሃብን ብተወሳኪ ድማ ንተሃነፅቲ ካብ መቐለ ቤት ህንፀት ናብ መቀለ ዝርከበ ቤት ፍርድታትን ሕክምናን ምምልላስ ይከዉን

9 ሒሳብ አከፋፍላ ዝምልከት ናይ ግልጋሎት ዝተዉሃበ አብ መጨረሻ ወርሒ ምክፋል ይከዉን

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብኣካል ወይ ብስልኪ  0942659419 ወይ 0914120808 ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo