ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ንብረትን ምምሕዳር ወረዳ ሰየምቲ ኣዲያቦ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ዝተፋላለዩ ንብረታት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናስን ወረዳ ሰየምቲ ኣዲያቦ

ሐደ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ : ካልኣይ ናይ እንስሳ መድሓኒት : ሳልሳይ ናይ ሕትመት መሳርሒ :  ራብዓይ ፅሬት ኣቀሑት መሳርሒ ኣብዚ ክትወዳደሩ ትደልዩ እተደልዩ ተወዳደርቲ ክተማልእዎ ዘለዎም ረቆሒታት ድማ

1 ናይ 2015 ዓም ንግዲ ፍቃድ ዘሐደሰ

2 ንቁፅሪ ሐደ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገበን ናይ ወርሒ ሐምለ 2015 ዓም ከቅርብ ዝክእልን

3 መለለይ ቁፅሪ ቲን ናምበር ናይ መቅረባይነት ሰርተፊኬት መታወቂያ ናይ 2015 ዓም ዝተሐዳ ከቅርብ ዝክእል

4 ናይ ዝቀርብ ዓይነት ንብረት ንግዲ ፍቃድ በቲ ዘፈር ከቅርብ ዝክእል

5 ሰነድ ጨረታ ቅዳሕን ዋናን ነንበይኑ ተዓሺጉ ብድሕሪት ብምግባር ከቅርብ ዝክእል

6 ኣብ መንግስታዊ ጨረታ ካብ ዝኮነ ይኩን ትካል ዝተኣገደ ኣብዚ ጨረታ ክሳተፍ ኣይክእልን

7 ከይዲ ጨረታ ብዛይኣገባብ ንምዝባዕ ምፍታን ብሕጊ ዘሐትትን ጨረታ ከይሳተፍ ክሳብ ምእጋድ ስጎምቲ ከስዕብ ምካኑ ንሕብር

8 ሰነድ ጨረታ እንትምላእ ስም ምስ ኣድራሻ ፊርማን ማህተምን ክዓርፎ አለዎ

9 ሰዓራይ ጨረታ ኣብ ዉሽጢ 45 መዓልቲ ኣታዊ ክገብር ዝክእል

10 ንሕድሕድ ሰነድ ጨረታ እንትምላእ በቲ ዝቀረበ መዓቀኒ ክምልኣ አለዎ ናይ ባዕሎ መዓቀኒ ምእታዉ ኣይፍቃድን ግልፂ ዘይኮነ እንተሃልዩ ብኣካል ቀሪቡ ወይድማ ብስልኪ ክሐትት ይግባእ

11 ጨረታ መከበሪ ንቁፅሪ ሐደ 5000 ቅርሺ ንቁፅሪ ክልተ ሰለስተን ኣርባዕተን 3000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብስፒኦ ከትሕዝ ዝክእልን ከምእዉን መክበሪ ጨረታ ዝልቀቅ ሰዓራይ ዉዕሉ ምስ አሰረ/ሰዓረ ይከዉን

12 ሰዓራይ ዉዕሊ ከኣስረ ከሎ ካብ ጠቅላላ ዋጋ 10 ሚእታዊ ዉዕሊ መክበሪ ከትሕዝ ዝክእል

13 እቲ ሰነድ ክምላእ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ የብሉን እንተሃልዎ ድማ ፊርማ ክዓርፈሉ ይግባእ

14 እቲ ቤት ፅሕፈት ጨረታ ምስተከፈተ ከም ኣድላይነቱ ናይ ዝግዛአ አቅሓ ክሳብ 20 ሚእታዊ ክዉስክ ወይ ክቅንስ ይክእል

15 ሰነድ ጨረታ ካብ 24/2/2016 ዓም ክሳብ 10/3/2016 ዓም ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን ኣብ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዘይምለስ 100 ቅርሺ እናከፈልኩም ሰነድ ጨረታ ክትወስዱ ትክእሉ

16 ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 11/3/2016 ዓም ኮይኑ ዝዕፀወሉ ድማ ሰዓት 5:00 ዝክፈተሉ ድማ ኣብዚ ዕለት ሰዓት 5:30 ይከዉን

17 እቲ ቤት ፅሕፈት ነዚ ጨረታ ብክፋል ኮነ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

18 ጨረታ ኣብ ዝተከፈተሉ ግዝ ኩሎም ተጫረቲ ወይ ወኪላቶም ክርከቡ አለዎም

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0949733293 0952812972

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo