ንካልኣይ ግዜ ዝወፀ ጨረታ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ንዝተፈላለዩ ኣብያተ ፅሕፈታት ግልጋሎት ዝዉዕል ኣቀሑት ኤሌክትሮኒክስ : ኣቅሑ ቢሮን : ሞተር ሳይክል ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ሽረ እንዳስላሰ

ቅድም ክብል ብዕለት 23 /1/2016 ዓም በቁፅሪ ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን BAS/2016 ወፂኡ ምንባሩ ዝፈለጥ ኮይኑ እቲ በጀት ናይ UNDP ኮይኑ ብእዋኑ ስለ ዝይተልኣከ እቲ ወፂኢ ዝነበረ ጨረታ ተሰሪዙ ምንባሩ ከዝፍለጥ ከይኑ ሕዚ እቲ በጀት ስለዝተልኣከልና ብግልፂ ጨረታ አወዳያርና ክንዕድግ ስለዝደለና ኣብዚ ክትወዳደሩ እተደልዩ ዝስዕብ ረቆሒታት ተማልኡ ክትወዳደሩ ትክእሉ

1 ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎን ናይ 2015/2016 ዓም ዝተሐደሰ ቅዳሕ መረዳእታ ገይሩ ኣታታሓሒዙ ከቅርበ ዝክእል

2 ናይ ግብሪ መከፈሊ መለለይ ቁፅሪ ዘለዎን ቅዳሕ ገይሩ ኣታታሓሒዙ ከቅርበ ዝክእል

3 ናይ 2015 ዓም /2016 ዓም ዝተሐደሰ መቅረባይነት ደፍተር ዘለዎ ቅዳሕ ገይሩ ኣታታሓሒዙ ከቅርበ ዝክእል

4 ዝተዉሃቦ ምስክረ ወረቀት ተወሳኪ አሰት ታክስ ቅዳሕ ዘለዎ

5 ናይ ወርሒ ሰነ 2015 ዓም ሒሳብ ዘወራረደሉ መረዳእታ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዘቅርብ              

6 ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 21 ጥቅምቲ 2016 ዓም ክሳብ 12 ሕዳር 2016 ዓም ንትካታታሊ ናይ ስራሕ መዓልቲ ኣብ ዘሎ እወን ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ንበረትን ምምዳር ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ቀበሌ 03 ኣብ ዉሸጢ ኣዳራሽ  ዝርከብ ቤት ፅሕፈትና ብምምፃእ ዘይመለስ 300 ቅርሺ እናከፈልኩም ክሳብ ዕለት 12 /3/2016 ዓም ክሳብ 300 ክወስድ ዝክእል

7 እቲ ጨረታ 12/3/2016 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዐለት 12/3/2016 ዓም ሰዓት 4:30 ባዕሎም ወይድማ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣበ ዝተረከብሉ ይክፈት

8 እቲ ሰነድ ጨረታ በቲ ኣብ ምልክታ ዝተገለፀ መሰረት ኣማሊኡ እነተተረኪቡ ብዘይኣለዉሉ ምክፋት ዝዓግት ነገር የለን

9 መከበሪ ጨረታ ንኣቁሐት ኤሌክትሪንክስ 120000 ንኣቅሑት ቢሮ 4500 ንሞተር ሳይክል 25000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይድማ ብስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል

10 ኣብዚ ጨረታ ሰዓራይ ምካኑ ምስተገለፀ በቲ መምርሒ መሰረት ዉዕኪ ክኣስር ዝክእል                                

11 እቲ ጨረታ ሰነድ ብንፁር ዝንበብ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉን ናይባዕሎም ፊርማን ማህተምን ኣብ ሕድሕድ ገፅ ብምግባር ብፖስታ ዓሺጎም ከቅርቡ ይግባእ

12 እቲ ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ብዘይበሉ ክምላእ አለዎ

13 ቤት ፅሕፈትና ዝጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo