ቢሮ ትራንስፖርትን መራከቢን ትግራይ ን2016 በጀት ዓመት ንቢሮ ግልጋሎት ዝዉዕሉ ኣቅሑት መሳርሒ ፅሕፈት ካብ ሕጋዊያን ብግለፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቢሮ ትራንስፖርትን መራከቢን ትግራይ

1 በቲ ዘፈር ዝተሐደሰ ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ፈቃድ ንግዲ ዘለኩም ብግለፂ ዝረኦ ፎቶ ቅዳሕ ክትቅርቡ እትክእሉ

2 ኣብ መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ዝተመዝገብኩምን ወረቀት ምስክር ዘለኩምን ብግለፂ ዝረኦ ፎቶ ቅዳሕ ክትቅርቡ እትክእሉ

3 ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ መስክረ ወረቀት መቅረባይነት ዘለኩም ብግለፂ ዝረኦ ፎቶ ቅዳሕ ክትቅርቡ እትክእሉ

4 አብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩም ናይዚ ዓመት ግብሪ ዝከፈልክምሉን ናይ ዝከፈልክሞ ናይ ወርሒ መስከረም 2016 ዓን ሒሳብ ዘፍለጥቅምሉ መረዳእታ ብግለፂ ዝረኦ ፎቶ ቅዳሕ ክትቅርቡ እትክእሉ

5 ተጫረቲ ንሕድሕድ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 100 ቅርሺ እናከፈለኩም ካብ ትራስፖርትን መራክብን ትግራይ ዳይሬክቶሪት ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ኣብ ሐባራዊ ህንጻ ማለት እዉን ኮምፐሊክስ ህንጻ ሳልሳይ ደብሪ ቁጽሪ ክፈሊ 171 ካብ ዕለት 20 ጥቅምቲ 2016 ዓም ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት እናከድኩም ናብ ዝተዓሸገ ሳንዱቅ ጨረታ ፖስታኩም ክተእተዉ ትክእሉ

6 ተጫረቲ ዉሕስና መከበሪ ጨረታ 3000 ቅርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ወይ እዉን ብጥረ ገንዝብ ክተእተዉ እትክእሉ ብጥረ ገንዝብ እንተከይኑ ናብ B Account ቁፅሪ 1000538971697 አታዊ ብምገባር ክተትሕዙ ትክእሉ

7 እቲ ጨረታ ዕለት 30 ጥቅምቲ 2016 ዓም ልክዕ ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ንሱ 4:30 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ትራስፖርትን መራክብ ክልል ትግራይ ዳይሬክቶሪት ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ሳልሳይ ደብሪ 171 ይክፈት

8 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወክልቶም እነተዘይተረኪቦም ጨረታ ምክፋተ ኣይተዓናቀፍን

9 ጨረታ ሰዓራይ ተባሂሉ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ድሕሪ ሰለሰተ ናይ ቅሬታ መዓልቲታት ኣብ ዉሽጢ ሰለሰተ መዓልቲታት ስራሕ ዉዕሊ ክኣስር አለዎ

10 ካብ ጠቅላላ ዝሰዓሮ ንብረት 10 ሚእታዊ ብባነክ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ወይ እዉን ብጥረ ገንዘብ ከቅርቡ አለዎም ብጥረ ገንዘብ እንተከይኑ ናብ B Account ቁፅሪ 1000538971697 አታዊ ብምግባር ክተትሕዙ እትክእሉ ንኣፈፃፅማ ዉዕሊ ዉሕስና ይተሓዝ

11 ብቤት ዕዩ ተዳልዩ ዝተዉሃበ መዓቀኒ ረቆሒ ብፅሬት ብመጠንን ብገንዘብን ኣብ ዉሽጢ 15 ተከታተልቲ መዓልቲ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ወፃኢ ናብ ቤት ፅሕፈት ቢሮ ትራስፖርትን መራክቢን ትገራይ ከረክብ አለዎ

12 መወዳደሪ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ብዝተዓሸገ ፖስታ ናይቲ ትካል ሽም ኣድራሻ ማሕተምን ፊሪማን ክህልዎ ይግባእ

13  እቲ ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙለእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንብዝበለፀ ሐበሬታ   0914759607

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo