ኣብ ከተማ ኣክሱም ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ንብረት ምምሕዳርን ንናይ ከተማና ኣብያተ ዕዩ ግልጋሎት ዝተፋላለዩ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ : ኤሌክትሮኒክስ: ኣቅሑት ፅሬት :ቀለልቲ ሃለቅትን ናይ ቢሮ ኣቀሑት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ኣክሱም
  • 1 ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ ዓመታዊ ግብሪ ናይ 2015 ን 2016 ዓም ዝከፈለን ንግዲ ፍቃድ ዘሐደሰን
  • 2 ናይ ነጋዳይ መለለይ ቁፅሪ ማለት እዉን ቲን ናምበር ዘለዎ ቫት ወይድማ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገበ ናይ ሰነ 2015 ዓም ድክለሬሽን ዘቅርብ
  • 3 ናይ 2015ን 2016 ዓም ዝተሐደሰ መቅረባይነት ከቅርብ ዝክእል
  • 4 ልዕል ክብል ናይ ዝተጠቀሱ ረቆሒታት መረዳእታ ዋንኡ ን ቅዳሕ ኣብ ናይ ባዕሉ ፖስታ ዓሺጉ ከቅርብ ዝክእል
  • 5 ጨረታ መክበሪ ዝቅርብን ንዘይሰዓረ ድማ ዘትሓዞ መክበሪ ጨረታ ሽዑ ንሽዑ ዝምለሰሉ ምካኑ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ጨረታ 20000 ብር ንናይ ኤሌትሮኒክስ መከበሪ ጨረታ 40000 ብር ንናይ ፅሬት ኣቅሑት መከበሪ ጨረታ 40000 ብር  ንናይ ቀለልትን ሃለቅትን ናይ ቢሮ ኣቅሑት መከበሪ ጨረታ 5000 ብር ብጥረ ገንዘብ ወይ ብስፒኦ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ተረጋጊፂ ቼክ ከትሕዝ ዝክእል
  • 6 ሰዓራይ ዝፍለ ብሕድሕድ ዓይነት ኣቀሓ ናይ ዘአተዎ ወጋ ይከዉን
  • 7 ጨረታ ሰዓራይ ምካኑ ምስተገለፀሉ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓለቲታት ቀሪቡ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል
  • 8 ዝሰዓሮ ንብረት ብመሰረተ እቲ ዝተወዳደሮ ዝርዝር መግለፂ ማለት እሰፔስፊከሽን ካብ ዉዕሊ ዝአሰረሉ ጀሚሩ ብዉዕሊ መሰረት እቲ ንብረት ናብ ከተማ ኣክሱም ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ንብረት ምምሕዳርን ንብረት ክፈሊ ቢሮ ቁፅሪ 8 ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ አታዊ ክገብር ዝክእል
  • 9 ሰነድ ጨረታ ዝርከበሉ ኣብ ዞባ ምምሕዳር ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ንብረት ምምሕዳርን ንብረት ቢሮ ቁፅሪ 6 ኮይኑ  መሸጢ ሰነድ ጨረታ ዋጋ ብር  ንኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ መሸጢ ዋጋ 100 ቅርሺ  ንኣቅሑት ፅሬት 100 ቅርሺ ንመሳርሒ ፅሕፈት 100 ቅርሺ  ንቀለልትን ሃለቅትን ናይቢሮ ኣቅሑት መሸጢ ዋጋ 100 ቅርሺ ኮይኑ ተጫረቲ ዝመልእዎ ዋጋ ናይ ሐድን ጠቅላላ ዋጋ ብግልፂ ዝንበብ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ  ኣብ ሕድሕድ ሰንድ ናይ ነጋዳይ ሽም  ፊርማን ማሕተምን ዝዓረፎ ኣብ ዋናን ቅድሕን መሊኦም ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ  ዋጋ መሊእኩም ብሽምኩም ወይ ሕጋዊ ወኪልኵም ብዝተዓሸገ ፖስታ ካብ ዝተቃለሐሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ 9 ሕዳር 2016 ዓም  ሰዓት 400 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ከይዲ  ስራሕ ዕደጋ ንብረትን ምምሕዳር ናብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቅ ምእታዉ ትክእሉ
  • 10 ጨረታ ሳንዱቅ ዝዕፀወሉ ዕለት 9 ሕዳር 2016 ዓም ሰዓት 4:00 ረፋድ ይከዉን
  • 11 ጨረታ ሳንዱቅ ዝክፈተሉ በቲ ዕለት ንሱ ኮይኑ ረፋድ 4:30 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክብሉ ኣብ ከይዲ  ስራሕ ዕደጋ ንብረትን ምምሕዳር ይከዉን ይኩን እምበር ዘድሊ ኩሉ ደኩምንት እንተማሊኡ ኣብ ዘይለዉሉ ምክፋት ይከኣል እዩ
  • 12 ቤት ፅሕፈትና ዝሸሐ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
  • 13 ኣብቲ ጨረታ 20 ሚእታዊ ምዉሳክ ወይ ምቅናስ ከምዝከኣል ክንገልፅ ንፈቱ

  ንዝበለፀ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0912005861

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo